ብኽብረትካ ነዞም ዝስዕቡ ዘክር፦ ኩሉ ኣገልግሎታትን ንጥፈታትን UNHCR ኩሉ ግዜ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝቐርብ እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝኾነ ነቲ ብ UNHCR ወይ ዝኾነ መሻርኽቱ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክትከፍል ኣይትሕተትን ኢኻ። ብኽብረትካ ካብ ናይ ምትላል ኣካይዳ ተጠንቀቕ ከምኡ ውን ዝኾነ እንተኸፊልካዮም እኮ ኣብ ምዝገባ፣ ዳግመ-ምጥያስ ወዘተ ክሕግዙኻ ይኽእሉ
እዮም ዝብለካ ሰብ ኣይትእመን።
ግጉይ ተግባር እንታይ እዩ?
ሕቡራት ሃገራት ንዘይግቡእ ስነ-ምግባር ብኸምዚ ይገልጾ “ዝኾነ ኣባል ሰራሕተኛ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፣ ደንቢ ሰራሕተኛታትን ሕግታት ሰራሕተኛታትን ወይ ካልእ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዘለዎ ግዴታታት ዘይምኽባር ወይ ድማ ካብ ሓደ ኣህጉራዊ ሰብ ትጽቢት ዝግበረሉ ደረጃታት ኣካይዳ ዘይምኽባር።”
ክህሉ ዝኽእል ግጉይ ተግባር፦
- ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ወይ ካልኦት ዝበጽሕ ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን
- ምትላል (ንኣብነት፡- ጥቕሚ ንምርካብ ናይ ሓሶት ሰነድ ምግባር)
- ብልሽውና (ንኣብነት ካብ ስደተኛታት ወይ ካልኦት ገንዘብ ምውሳድ)
- ስርቅን ምጥፍፋእን (ንኣብነት ምስራቕ መሳርሒታት ወይ ገንዘብ)።
- ኣብ ስራሕ ቦታ ምግፋዕ (ንኣብነት ንኣባላት ሰራሕተኛታት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ምክንኻን)።
- ጾታዊ ትንኮሳ (ንኣብነት ዘይተደልየ ጾታዊ ባህርያት)።
- ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም (ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ምድልዳል ወይ ኣድልዎ ምርኣይ)።
- ኣብ ልዕሊ ካልኦት መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ ምፍጻም።
- ንብረት UNHCR ብዘይግቡእ ምጥቃም።
- ምስጢር ምዝርጋሕ/ዘይምዕቃብ።
- ናይ UNHCR ሽም ዘጸልም ተግባራት ወይ ባህርያት።
- ናይ ከባቢ ሕግታት ዘይምኽባር።
- ናይ ረብሓ ጎንጺ።
- ሓለፋታትን ሕድገታትን ብዘይግቡእ ምጥቃም።
- ከቢድ ሸለልትነት።
- ዘይተፈቕደ ናይ ደገ ንጥፈታት ወይ ስራሕ።
ምትላል እንታይ እዩ?
ምትላል ማለት ረብሓ ንምርካብ ንኻልእ ሰብ ኮነ ኢልካ ንምድንጋር ዝዓለመ ዝኾነ ይኹን ተግባር እዩ።
ንኣገልግሎት UNHCR ወይ መሻርኽቱ ክትከፍል ዝሓተካ ሰብ ወይ ትካል ኣይትእመን። ገንዘብ ወይ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ሞገስ እንተላይ ጾታዊ ባህሪ ዘለዎ ነገር ካባኻ እንተ ተሓቲቱ ብቕልጡፍ ናብ UNHCR ከምኡ ውን/ወይ ኣብ ቀረባኻ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ክትሕብር ይግባእ።
ዝኾነ ይኹን ብገንዘብ ዝወሃበካ ኣገልግሎት UNHCR ናይ ምትላል ምዃኑ ኣስተውዕል። ብዛዕባ ስራሕን ኣገልግሎታትን UNHCR ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ብኽብረትካ ኣብ ናይ ሓገዝ መርበብ ሓበሬታታት UNHCR ተወከስ።
ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን እንታይ እዩ?
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዋላ ኣብ ሃገሮም ሕጋዊ እንተኾነ ምስ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ጾታዊ ርክብ ክገብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ሓቀኛ ዕድመ ናይቲ ሰብ ኣይፈለጡን ምባል ብቑዕ መመኽነይታ ኣይኮነን።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንጾታዊ ርክብ ብገንዘብ፣ ብስራሕ፣ ብኣቑሑት ወይ ብኣገልግሎት ክኸፍሉ ኣይፍቀደሎምን – እዚ ድማ ንዝተጸገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ዘጠቓልል እዩ። ናይዞም ነገራት መብጽዓታት ተጠቒሞም ካልኦት ሰባት ዝኾነ ዘዋርዶም ወይ ዝምዝምዞም ዓይነት ኣካይዳ ክቕበሉ ክገብሩ የብሎምን። እዚ ድማ ምስ ኣመንዝራ ንጾታዊ ርክብ ገንዘብ ምኽፋል ወይ ምቕራብ የጠቓልል።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ዝቕበል ሰብ መን ምዃኑ ኣብ ምውሳን ጽልዋ ኣለዎም። እዚ ድማ ምስ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብምትእስሳር ኣብ ናይ ስልጣን ቦታ የቐምጦም። በዚ ምኽንያት እዚ ሰብኣዊ ትካላት ሰራሕተኛታት ምስ ዝኾነ ብሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ዝተሃስየ ሰብ ጾታዊ ርክብ ከይገብሩ ኣትሪሮም የተሓሳስቡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝምድናታት ሰብኣዊ ስጉምቲ ቅንዕናን ተኣማንነትን ከምዘይብሉ ይገብሮ።
ምትላል፣ ብልሽውናን ካልእ ግጉይ ተግባርን ብኸመይ ይሕብር?
ዳግመ-ምጥያስ፣ ፋይናንሳዊ ወይ ካልእ ዓይነት ሓገዝ፣ ናይ ሓሶት ሰነዳት ወይ ናይ ሓሶት ክሲ ንገንዘብ ወይ ካልእ ሞገስ ንምልዋጥ ዝህቡኻ መጭበርበርቲ ምስ ዘጋጥሙኻ ጸብጻብ ግበር/ሓበሬታ ሃብ።
እዞም ቅድመ-ምድላዋት ብኣካል ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት እንተላይ ብፌስቡክ፣ ዋትስኣፕ፣ ቫይበርን ቴሌግራምን ክቐርቡልካ ይኽእሉ።
ኣገልግሎት UNHCR ኩሉ ግዜ ብነጻ ዝቐርብ ምዃኑ ኣይትረስዕ።
ብሓደ ኣባል ሰራሕተኛ UNHCR፣ ሕቡራት ሃገራት ወይ ዘይመንግስታዊ ትካል ተገይሩ ክኸውን ብዛዕባ ዝኽእል ናይ ምትላል፣ ብልሽውና፣ ግጉይ ስነ-ምግባር፡ ወይ ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ዝምልከት ሓበሬታ እንተደኣ ኣለካ ኮይኑ ወይ ስክፍታታት ወይ ጥርጣረታት እንተሃልዩካ፣ ምስ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት UNHCR ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ UNHCR (IGO) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
➡️ ብሚስጢራዊ ኢመይል፦ [email protected]
➡️ነቲ ብኢንተርነት ዝቐርብ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ብምጥቃም
➡️ብፖስታ፦ 94, rue de Montbrillant, Case postale 2500, 1211 Geneva, Switzerland
ኣብዚ ከተስተውዕሎ ዘሎካ፦
- ጥርዓን ምቕራብ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ UNHCR ዘለካ ጉዳይ ጽልዋ የብሉን።
- ጥርዓናት ስሞም ዘይተገልጸ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ኣብ ጥርዓንካ ኩሉ እቲ ትፈልጦ ሓቅታትን መርትዖታትን ኣቕርብ።
- ጸብጻብካን ኩሉ እቲ ምስ UNHCR ዝግበር ርክብን ብጥብቂ ምስጢራዊነት ዝተሓዝ እዩ።
ኣብ ጸብጻብካ ከምዚ ዝስዕብ ከተካትት ይግባእ፦
- እንታይ ተፈጢሩ?
- ብዛዕባ እቲ ፍጻመ(ታት) እንታይ ከም እትፈልጥ ብዝርዝር ግለጽ።
- እቲ ዝተባህለ በደል ዝፈጸሞ መን እዩ?
- ካልእ ሰብ ተሳቲፉ እንተኾይኑ ትፈልጥ’ዶ? እንተ ተኻኢሉ ምሉእ ኣስማት፣ መዓርግ ስራሕን ውዳበን ክትህበና ብትሕትና ንሓትት።
- እቲ ፍጻመ(ታት) መዓስን ኣበይን እዩ ኣጋጢሙ?
- እንተ ተኻኢሉ ዕለታትን ሰዓታትን ኣስፍር።
ጸብጻብካ ብምስትውዓል ክርአን ብጥብቂ ምስጢራዊ ክኸውንን እዩ።