ሕቶ ዑቕባኻ እንተ ተነጺጉ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ኣሎካ። ነዚ ኣገባብ እዚ ከምኡ’ውን ንጠበቓ ክትከፍል ዓቕሚ እንተዘይብልካ፡ ካብቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሕጋዊ ሓገዝ ወይ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካብ ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ይግባይ ሕቶ፣ ካብ’ቲ ነቲ ዑቕባ ሕቶኻ ዝነጽግ ውሳነ ብዝምልከት ሓበሬታ ዝርኸብካሉ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣስተውዕል።
እቲ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ኣብ ጉዳይካ ሓድሽ ውሳነ ክህብ ክጠልቦ ይኽእል ወይ ድማ ነቲ ንመመልከቲኻ ዝነጸገ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ዝሃቦ ውሳነ ከረጋግጽ ይኽእል። እቲ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ እንተ ኣረጋጊጹዎ ሕጂ’ውን ነቲ ፍርዲ ናብ ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ወይ ብቤት ፍርዲ ፊንላንድ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝህሉ ኣብ ፊንላንድ ናይ ሓታቲ ዑቕባ ደረጃ ሒዝካ ክትጸንሕ መሰል ኣሎካ።
ይግባይካ ኣብ ኩሉ ደረጃታት እንተ ዘይተዓዊቱ ካብ ፊንላንድ ክትወጽእ ክትግደድ ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ንሓገዝ ወለንታዊ ዝግበር ናብ ሃገር ምምላስን ዳግመ-ውህደትን ደገፍ ይህብ። ናብ ዓድኻ ንምምላስ ሓገዝ ምስ እትደልይ ብመንገዲ [email protected] ወይ ድማ ናብ 📞 +358 50 413 8625 መልእኽቲ ዋትስኣፕ ብምልኣኽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
ንኣገባብ ዑቕባ ኣብ ፊንላንድ ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ብቋንቋ ፊንላንድ፣ እንግሊዝን ሽወደንን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።