UNHCR ኣገልግሎት ምክትታል ስድራቤት ኣይህብን እዩ። ምስ ኣባላት ስድራቤትካ ርክብ እንተ ኣጥፊእካን ንምርኻብ ሓገዝ እንተደሊኻን ምስ ቀይሕ መስቀል ኖርወይ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ብኢመይል 📧 [email protected] መልእኽቲ ክትሰደሎም ወይ ናብ 📞 +47 22 05 40 00 ክትድውለሎም ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎቶም ብነጻን ዝቐርብን ምስጢራዊን እዩ።
ብተወሳኺ በዚ ኣድራሻ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ፦ 📍Hausmannsgate 7, 0186 Oslo