ካብ ዩክሬን ተሰዲዶም ኣብ ኖርወይ ሓለዋ ንዝደልዩ ሰባት ሓበሬታ

ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ኣብ ኖርወይ ስደተኛ እንተኾይንካ ብኽብረትካ ናብቲ ብቋንቋ እንግሊዝኛ፣ ኖርወይ፣ ዩክሬንን ሩስያን ዝተዳለወ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኖርወይ ተወከስ። ብተወሳኺ ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኖርወይ  (Utlendingsdirektoratet – UDI) ኣብ  📞 +47 23 35 15 00 (ሰኑይ/ዓርቢ ካብ 8 ቅ.ቀ – 3 ድ.ቀ) ደውል።

ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ኣብ ፖላንድ፣ ሃንጋሪ፣ ኢጣልያ፣ ስሎቫክያ፣ ሮማንያ ወይ ቡልጋርያ እንተሃሊኻ ብኽብረትካ ኣብ Digital Blue Dot ብዛዕባ መሰላትን ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣበይ ከም እትረክብን ዝምልከት ሓበሬታ ርኸብ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ክርከብ ይኽእል እዩ።  

ኣብ ኖርወይ ንግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ንምርካብ ከመይ ጌርካ ትሓትት።

ካብ ዩክሬን ዝሃደሙ ሰባት ንሓደ ዓመት ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ክወሃቦም ይኽእል እዩ። ሓባራዊ ሓለዋ ማለት እቲ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ኣድላይነት ሓለዋ ብውልቂ ኣይግምግምን እንታይ ደኣ ካብ ኲናት ዩክሬን ንዝሃድሙ ዩክሬናውያንን ኣባላት ስድራቤቶምን ሓባራዊ ሓለዋ ይህብ ማለት እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኲናት ዝሃድሙ ዩክሬናውያን ዘድልዮም ሓገዝ ብቕልጡፍ ከም ዝረኽቡ የረጋግጽ።

ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ካብ ዩክሬን ንዝተመዛበሉ ሰባት ግዝያዊ ሓለዋ ንምርካብ ዝቐርብ ምልክታታት ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ።

ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ክወሃበካ ዝኽእል፣ እንተድኣ፦

  • ናይ ዩክሬን ዜጋ ኮይንካ እሞ ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዩክሬን ትነብር ኔርካ (ነቶም ቅድሚ 24 ለካቲት ቁሩብ ጸኒሖም ካብ ዩክሬን ዝሃደሙ ብዝምልከት ዝተወሰነተዓጻጻፍነት ኣሎ)
  • ናይ ዩክሬን ዜጋ ኮይንካ ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዕረፍቲ ዝነበርካ ወይ ክሳብ 90 መዓልታት ካብ ዩክሬን ወጻኢ ትዛወር ኔርካ ኮይንካ
  • ናይ ዩክሬን ዜጋ ኮይንካ ድሮ ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ እንተሃልዩካን ከምኡ’ውን እቲ ሕጋዊ መንበሪ ገዛ ድሮ ግዜኡ ዝሓለፎ ወይ ድሕሪ ምምልካትካ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝውዳእ እንተኾይኑን
  • ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ዩክሬን ሓለዋ እንተ ተዋሂቡካ ንኣብነት ከም ኣፍልጦ ዘለዎ ስደተኛ
  • ዜግነትካ ብዘየገድስ ንግዚያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ብቑዕ ዝኾነ ሰብ ናቱ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት* ኮይንካ

*ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ክበሃል ከሎ መጻምድቲ፣ ብሓባር ዝነብሩ፣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን ቅድሚ 24 ለካቲት 2022 ኣካል ናይቲ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝረክብ ሰብ ኣካል ናይቲ ስድራቤት ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብነታት ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ኣቦሓጎ/እኖሓጎ ወይ ኣሕዋት ክኾኑ ይኽእሉ።

ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምድባት እንተዘይኣቲኻ ሕጂ’ውን ዑቕባ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እቲ መመልከቲኻ ድማ ብውልቂ ክግምገምን ክርአን እዩ።

ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ንምምልካት፡ ንመዝገብ ቆጸራ ንምሓዝ ምስ ፖሊስ ክትራኸብ ኣለካ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ፖሊስ ዝርዝር ርክብ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ፖሊስ ኖርወይ ግዝያዊ ሓለዋ ክትምዝገብ ከለኻ እንታይ የጋጥም

  • እቲ ፖሊስ ብዛዕባኻ ሓበሬታ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ክምዝግብን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ክወስድን እዩ። ፓስፖርት ወይ ካልእ መንነት ሰነዳት እንተሃልዩካ ነቲ ፖሊስ ከተርእዮ ኣለካ።
  • እቲ ፖሊስ ፓስፖርትካን መንነት ሰነዳትካን ስካን ብምግባር ክመልሰልካ እዩ።
  • ንሓተቲ ዑቕባ ዝኸውን ካርድ ካብ ፖሊስ ክትቅበል ኢኻ።
መርኣዩ ኣብነት ናይ ዑቕባ ሓታቲ መለለዪ ካርድ – ብቕድሚት
መርኣዩ ኣብነት ናይ ዑቕባ ሓታቲ መለለዪ ካርድ – ብድሕሪት

➡️ኣብ ኖርወይ ነዛ ካርድ ኣብ ምንታይ ክትጥቀመላ ከም እትኽእልን ከም ዘይትኽእልን ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ UDI መንግስቲ ኖርወይ ተወከስ።

  • ምስቲ ናይ ዑቕባ ሓታቲ ካርድካ ካብ ፖሊስ ኖርወይ ናይ D ቁጽሪ እውን ክትረክብ ኢኻ። ናይ D ቁጽሪ ኣብ ኖርወይ መለለዪ ቁጽሪ ኣብ ዘድልየካ እዋን ካብ ምምሕዳር ግብሪ ኖርወይ እትረኽቦ ግዝያዊ መለለዪ ቁጽሪ እዩ። ናይ D ቁጽሪ ኣብ ታሕተዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይ ዑቕባ ሓታቲ ካርድ ክረአ እዩ።

➡️ናይ D ቁጽሪ እንታይ ምዃኑን ንምንታይ ከም ዘድልየካን ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኖርወይ UDI ተወከስ።

ነቲ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝምልከት መመልከቲ ኣብ ፖሊስ ኖርወይ ምስ ኣመዝገብካዮ እንታይ የጋጥም?

  • ንሕማም ዓሶ (ቲቢ) እውን ክትምርመር ከድልየካ እዩ።
  • ኣብ ህጹጽ መንበሪ ትነብር እንተኾይንካ እቲ መርመራ ዓሶ ኣበይን መዓስን ከም ዝካየድ ይንገረካ።
  • ኣብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ትነብር እንተኾይንካ ንሕማም ዓሶ ብኸመይ ከም እትምርመር ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር እቲ ከባቢ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • መሕደሪ ቦታ እንተድኣ ደሊኻ መመልከቲኻ ምስ ኣመዝገብካ ንፖሊስ ክትነግር ትኽእል ኢኻ። እቲ ፖሊስ ምስ ዳይሬክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ክራኸብ እዩ። UDI ኣብ ህጹጽ መንበሪ ኣባይቲ ቦታ ክረኽበልካ እዩ።
  • ናይ D ቁጽሪ ምስ ተቐበልካ ዘድልየካ ኣገልግሎት ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ሃገራዊ ማእከል ምምጻእ (National Arrival Centre) እንተ ተመዝጊብካ እቲ ኣገባብ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዩ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ራደ (Råde) ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ማእከል ምምጻእ ምስ በጻሕካ እንታይ ከም ዘጋጥም ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ብቋንቋታት ዩክሬንሩስያ፣ እንግሊዝኛን ኖርወይኛን ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።

መስርሕ መመልከቲ ንግዝያዊ ሓለዋ ምስ ፖሊስ ኖርወይ (ኩሎም ኣመልከትቲ) ምስ ወዳእካ እንታይ የጋጥም

መስርሕ ምዝገባ ምስ ወዳእካ ፖሊስ ኖርወይ መመልከቲኻ መታን ንክስራሕ ናብ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ክልእኾ እዩ።

መልሲ ብቕልጡፍ መታን ክትረክብ UDI ብዝተኻእለ መጠን ነቶም መመልከቲታት ብቕልጡፍ ኣብ መስርሕ ከእትዎም ይፍትን። ገለ ካብቶም ጉዳያት ብኣውቶማቲክ ብሮቦት ክስራሕ እንከሎ ገለ ድማ ብሓለፍቲ ጉዳያት ዝስራሕ እዩ። እዚ ድማ UDI ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ጉዳያት ንኽዛዝም ይሕግዞ።

ሓደሓደ ግዜ UDI ተወሳኺ ሓበሬታ ከድልዮምን፣ ምሳኻ ንምዝርራብ ወይ ቃለ መሕትት ንምግባር ክድውሉልካ  ይኽእሉ እዮም። እንተድኣ እዚ ዘድሊ ኮይኑ ክትሕበር ኢኻ።

UDI ንመመልከቲኻ ኣብ መስርሕ  ኣኣትዩ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ንስኻ ክትሰርሕ ወይ ንስራሕ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኖርወይ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ምስተዋህበካ ጥራይ ኢኻ ክትሰርሕ ዝፍቀደልካ።

መልሲ ናይ መመልከቲኻ እናተጸበኻ እንታይ ኣገልግሎታት ክትረክብ ትኽእል?

  • ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙ ናብ ፖሊስ ብቴለፎን ቁጽሪ  📞 112 ደውል። ህጹጽነት እንተዘይሃልዩ ናብ  📞 02800 ክትድውል ትኽእል።
  • ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ናብ 📞 +47 116 117 ብምድዋል እውን ምስ’ቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • ናይ ፌስቡክ ኣካውንት እንተሃልዩካ ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ዝምልከት ናይ ፌስቡክ ገጻት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ብሰለስተ ቋንቋታት ይርከብ፦ ብቋንቋታት ኖርወይ፣ ዩክሬንን ሩስያን።
  • ኣብ ኖርወይ ንግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ እንተ ኣመልኪትካን ናይ ኖርወይ መለለዪ ቁጽሪ እንተ ተዋሂቡካን፣ከም ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን፣ ፋይናንሳዊ ደገፍ፣ ትምህርቲ ምጅማርን ምምሃርን፣ ናብ ዲጂታላዊ ሳጹን ፖስታ ምብጻሕን ካልእቶን ዝበሉ ግልጋሎታት ንምርካብ ካብ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ኖርወይ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።። ብዛዕባ ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ናትካ ኣብ norge.no ከመይ ጌርካ ከም ትእዝዝ ንምፍላጥን ኣብዚ ጠውቕ
  • ኣብ ኖርወይ ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ መልሲ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቀሊልን ግዝያውን መዕረፊ ቦታ እዩ። ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ክትነብር ከለኻ እንታይ ክትጽበ ከም ዘለካ ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።
  •  መልሲ ናይቲ መመልከቲኻ እናተጸበኻ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ፣ ህጻናት ኣብ ኖርወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ መሰል ኣለዎም። እዚ ካብ 6 – 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝምልከት እዩ።
  • ከም ኩሉ ሰብ ኣብ ኖርወይ ሓደ ዓይነት ክንክን ጥዕና ክትረክብ መሰል ኣለካ።

መመልከቲኻ እንተ ተፈቒዱን ነቶም ካብ ዩክሬን ዝሃደሙ ሰባት ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝምልከት ረቛሒታት እንተ ኣማሊእካን እንታይ የጋጥም

ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ መንበሪ ፍቓድ ሓበሬታ ዝሓዘ ናይ ውሳነ ደብዳበ ብፖስታ ክትቅበል ኢኻ። ብተወሳኺ መሰላትካን ግቡ ኣትካን ዝገልጽ ደብዳበ ብቋንቋ ዩክሬን ክትቅበል ኢኻ።

ኣብቲ ደብዳበ መሰላትካን ግቡኣትካን ዝገልጽ ናብቲ ብቋንቋኻ ዘረድእ ቪድዮ ዘራኽብ ናይ QR ኮድ ክህሉ እዩ። እታ ቪድዮ ክትከታተላ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ቪድዮ ንምርኣይ ስልክኻ ተጠቒምካ ነቲ QR ኮድ ስካን ክትገብሮ ኣለካ ወይ ናብቲ ኣብቲ ዝመጸካ ደብዳበ ዘሎ ሊንክ ክትከይድ ኣለካ።

ብኽብረትካ ኣብ ማእከል መቐበሊ ዑቕባ ወይ ኣብ ህጹጽ መንበሪ ገዛ ዘይትነብር እንተኾይንካ ንፖሊስ እዋናዊ ኣድራሻኻ ከም ዝሃብካ ኣረጋግጽ።

ኣብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ትነብር እንተኾይንካ UDI ዝሰደልካ ደብዳቤታት ንኽትቅበል ስምካ ኣብቲ ሳጹን ፖስታ ክህሉ ኣለዎ።

➡️ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ምስ ረኸብካ ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታታትካን ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ።

ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተፈቐደልካ ኢመይል ክለኣኸካ እዩ። ናይ መንበሪ ካርድ እውን ክትቅበል ኢኻ። እቲ መንበሪ ካርድ ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ መመልከቲኻ ከተቕርብ ከለኻ ዝረኸብካዮ ሓታቲ ዑቕባ ካርድ ዝተፈልየ እዩ። ንመንበሪ ካርድ ዝኸውን ስእልን ኣሰር ኣጻብዕትን ንምውሳድ ናብ መደበር ፖሊስ ክትከይድ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ስእልኻን ኣሰር ኣጻብዕትኻን እንተሂብካ ዳግማይ ንኽትህብ ናብ መደበር ፖሊስ ምኻድ ኣየድልየካን ይኸውን። ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ክትህብ ትድለ እንተድኣ ኾይንካ ክትሕበር ኢኻ። መንበሪ ካርድኻ ምስ ተቐበልካ ሃገራዊ ቁጽሪ መንነት ከም ዝተመደበልካ ዝገልጽ ደብዳበ ክለኣኸካ እዩ።

➡️ብዛዕባ መንበሪ ካርድታት ኣብ ኖርወይ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።.

እቲ ንጊዚያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንሓደ ዓመት ከም መጀመርታ ዝጸንሕ ኮይኑ ድሕሪኡ ንሓደ ዓመት ኣብ ሓደ እዋን ክሕደስ ይኽእል።

እቲ ንጊዚያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንሓደ ዓመት ከም መጀመርታ ዝጸንሕ ኮይኑ ድሕሪኡ ንሓደ ዓመት ኣብ ሓደ እዋን ክሕደስ ይኽእል።

➡️ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ምስተዋህበካ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ

  • ናይ ሓባር ሓለዋ ፍቓድካ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት እዩ ዝወሃበካ።
  • ብህዝባዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣቢልካ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ
  • ኣብ ኖርወይ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ
  • ደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን / ቅድመ ትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም።
  • ሰበ ስልጣን ኖርወይ መንበሪ (ሰፈራ) ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትነብረሉ እትኽእል ቦታ ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ ሰፈራ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።
  • ካብ 18 ክሳብ 55 ዓመት ኣብ ናይ ዕድመ ገደብ እንተሎካ፡ ኣብ ናይ ምልላይ መደብ ናይ ምጽንባር መሰል ኣሎካ።
  • እቶም ብሕግታት ግዝያዊ ሓባራዊ ሓለዋ ዘይተሸፈኑ ኣባላት ስድራቤትኩም በቲ ልሙድ ሕግታት ኣቢሎም ናብ ኖርወይ ንክግዕዙ ናይ ስድራ ቤት ምግዕዝ ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም።
  • ኣብ ምሉእ መስርሕ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበሬታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተሂብካ ወይ ድማ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንሰበ ስልጣን እንተዘይጠቒስካ ፍቓድካ ክስረዝ ይኽእል እዩ።
  • ናይ መገሻ ሰነድ ሒዝካ ኖርወይ ክትኣቱን ክትወጽእን መሰል ኣሎካ። እዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገራዊ ፓስፖርት ወይ ብሰበ ስልጣን ኖርወይ ዝቐረበ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክኸውን ይኽእል። ናብ ዩክሬን ክትገይሽ ይፍቀደልካ እዩ።

እቲ ግዝያዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተ ተነጺጉ እንታይ የጋጥም?

መመልከቲኻ ብቕጽበት ከም ውልቃዊ ጉዳይ ዑቕባ ብመሰረት ስሩዕ ኣገባብ ዑቕባ ንኽስራሕ ዳግማይ ኣንፈት ክወሃቦ እዩ።

➡️ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ህጻናት ዝምልከት ሓበሬታ


<< ናብ መእተዊ ገጽ ኖርወይ HELP ተመለስ
>> ኣብ ናይ ሓገዝ መበገሲ ገጽና ካልእ ሃገር ምረጹ