ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ንበይንኻ ናብ ኖርወይ ኣቲኻ ዑቕባ ትሓትት እንተኾንካ መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ ሓታቲ ዑቕባ ኢኻ ማለት እዩ። እቲ መስርሕ ዑቕባ ዳርጋ ምስቲ ናይ ሓደ ዓቢ ሰብ መስርሕ ተመሳሳሊ እዩ። ይኹን እምበር ከም ቆልዓ ተወሳኺ መሰላት ኣለዉኻ፦
- ኣብ ኖርወይ ወኪል ክትረክብ መሰል ኣለካ። ወኪል ማለት መሰነይታ ስለዘይብልካ ኣብ ክንድኻ ዝሰርሕ ዓቢ ሰብ እዩ። እቲ ወኪል ኣብ ኖርወይ ብሕጋውን ብገንዘባውን ኣገባብ ንመሰላትካ ይከታተል
- ጠበቓ እውን ክስየመልካ እዩ።
- ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ እንተ ተጠራጢሩ ናይ ዕድመ መርመራ ከቕርበልካ እዩ። መርመራ ዕድመ ብኽልተ ክፋላት ዝቖመ ኮይኑ ናይ ኢድካን ኣስናንካን ራጂ ምስኣል ይኸውን። ሓኪም ነዞም ራጂታት ርእዩ ዕድመኻ ክግምግም እዩ።
- ናይ ዕድመ መርመራ ክትገብር እንተዘይደሊኻ ንጉዳይ ዑቕባኻ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
➡️ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ቆልዓ ኮይንካ ዑቕባ ምሕታት ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ። . እቲ ሓበሬታ ብ 16 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይርከብ።