ዑቕባ ንምሕታት ምስ ፖሊስ ኖርወይ ክትራኸብ ኣለካ።
- ኣብ ዶብ እንተሃሊኻ ንፖሊስ ዶብ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደሊ ንገሮ።
- ኣብ ኦስሎ (Oslo) እንተሃሊኻ ኣብ መደበር ፖሊስ ክርስቲያን ክሮግስግት (Christian Kroghsgt) ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 32 C, Oslo.
- ኣብ Råde እንተሃሊኻ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፖሊስ ኣብ Mossebeien 58, 1640 Råde ዑቕባ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
- ናበይ ከም እትኸይድ እንተዘይፈሊጥካ ነቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ።
ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ንኹሎም ሓደስቲ መመልከቲታት ኣብ መስርሕ ኣኣትዩ ንሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ኣለዎ።
ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መላግቦታት/ሊንክታት ጠውቕ፣ እዚኦም ድማ ብዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ (UDI)፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፖሊስ (NPIS)ን ቦርድ ይግባይ ኢሚግሬሽንን (UNE) ዝመሓደሩ እዮም፦
- Asylinfo.no (ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾይንካ)
- Asylbarn.no (ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾይንካ)
- ኣብ ኖርወይ ንሓለዋ (ዑቕባ) ምሕታት