ኣስተውዕል! ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኖርወይ ወይ ኣብ ዶብ ኖርወይ ክትህሉ ኣለካ።
ብሰንኪ ዓመጽ፣ ስደት፣ ኲናት ናብ ዓድኻ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካላ ሃገር ክትምለስ እንተፈሪሕካ ወይ ኣብታ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ከይበጽሓካ ኣብ ሓደጋ እንተሃሊኻ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
UNHCR ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ሓላፍነት ከምዘይወስድን ኣብ ኖርወይ ኣብ ኣገባባት ዑቕባ ከምዘይዋፈርን ክትፈልጥ ይግባእ።