ብዛዕባ  ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እስራኤል

ተራ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት  ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧

  ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት  ኣብ እስራኤል (UNHCR )፣ ብቐንዱ ንመንግስታውያን ትካላት መሰልን ድሕንነትን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንምሕላው ዝዓለመ  ሕጋዊ ምኽሪ፡ ደግፍን ስልጠናን ብምሃብ ዝጣበቕን መረዳእታ ዝህብን ቤት ጽሕፈት እዩ። UNHCR እስራኤል ምስ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን መሰረታዊ ድሌታቶም ኣብ ምምላእ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዑቕባን ዝምልከት ንህዝቢ ትምህርታውን ሓበሬታውን ንጥፈታት የካይድ። እዚ ቤት ጽሕፈት መሰላት ሓተትቲ ዑቕባ እውን ይከታተልን ንዘሻቕለና ህዝቢ ዝጸሉ ሕጊ ኣብ ምወጻእ ይጣበቕን። ንቐንዲ መሻርኽቲ መንግስትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ሓለዋ ነሰልጥንን ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምሕያል ንጽዕርን።

  ኣብ ገለ ውሱናት ጉዳያት፡ ኣብ ዳግመ-ምጥያስን ካልእ ሕጋዊ መስርሓትን  ምስግጋር ናብ ቀዋሚ መንበሪ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ንሕግዝ። UNHCR ኣብ እስራኤል ከም ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት ኣብ 1976 ጀሚሩ።ክሳብ 2009 UNHCR ናይ ስደተኛታት ኩነታት ናይ ምውሳን ሓላፍነት ነይርዎ፡ ብድሕሪኡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል  ነቲ መስርሕ ባዕሉ ሒዝዎ ።

ንመን ኢና ንሕግዝ፧

ኣብ UNHCR ቀንዲ ዕላማና መሰሎምን ድሕነት ሂወቶምን ናይቶም ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ምሕላው እዩ። ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን መሻርኽቲ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሱ ትካላትን ካልኦት ጉዱሳት ኣካላትን ብምዃን፡ ኩሉ ሰብ ዑቕባ ናይ ምሕታትን ኣብ ካልእ ሃገር ውሑስ ዑቕባ ናይ ምርካብን መሰል ከም ዘለዎ ነረጋግጽ። ብተወሳኺ ንጸገማት ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን ሃገር ኣልቦን ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ንጽዕር።

  • ስደተኛታት፦ ስደተኛ ማለት ዝኾነ ብዓሌት፣ ሃይማኖት፣ መንነት፣ ኣባልነት ናይ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ፣ ወይ ፖለቲካዊ ርእይቶ፣ መኽንያት ሩጉጽ ምስዳድ/ምስጓግ ዘጋጠሞ ወይ ሓደጋ ከይወርዶ ብምስጋእ ናብ መበቆል ሃገሩ ክምለስ ዘይክእል ወይ ዘይደሊ ሰብ እዩ።
  • ሓተትቲ ዑቕባ፡ ሰባት ካብ ዓዶም ሃዲሞም ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረት ሃገራዊ ኣገባብ ምሕታት ዑቕባ ብውልቂ ዑቕባ ክሓቱ ይግደዱ። ጉዳዮም ናይ መወዳእታ ውሳኔ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ተባሂሎም ይፍለጡ። ኩሉ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ መወዳእታ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ይዋሃቦ ማለት ኣይኮነን (ወይ ካልእ ዓይነት ዑቕባ ክወሃቦ ይኽእል እዩ)፣ እንተኾነ ግን ኩሉ ስደተኛ ኣብ መጀመርታ ሓታቲ ዑቕባ እዩ ።
  • ሰብኣዊ ስታቱስ/ወረቐት ዝሓዙ ሰባት፤ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰብኣዊ ስታቱስ ዝበሃል ዓይነት ዑቕባ ይወሃቦም። እዚ ብውልቂ ወይ ብጉጅለ ዝግበር እዩ። ካብ ናይ ስደተኛ ስታቱስ ዝወሓደ መሰላት ዝህብ ኮይኑ፡ ካብቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዘለዎም ዝሓሸ ዑቕባን ውሕስነት መንበሪን ዝህብ ግዝያዊ ውጥን እዩ።
  • ሃገር ኣልቦ ሰባት፤ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ዜጋታት ዝኾነት ሃገር ምዃኖም መለለዪ ዘይብብሎም  ኮይኖም መሰረታዊ መሰላት ከም ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ስራሕን ናጽነት ምንቅስቓስን ንምርካብ ክቃለሱ ይኽእሉ። ብዘይ እዚ ነገራት እዚ ናይ ዕድመ ምሉእ ዕንቅፋታትን ተስፋ ምቑራጽን ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኣብ እስራኤል ኣስታት 50 ዝፍለጡ ሃገር ኣልቦ ሰባት ኣለዉ።


ኣገልግሎት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብነጻ
እዩ።

  ብቐጥታ ምሳና ይኹን ብመሻርኽትና ኣቢሉ ብዝሰርሕ ኩሉ ብUNHCR ናይ ዝወሃብ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ክፍሊት የለን። UNHCR ንስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦትን ዓሌቶም፣ ሃይማኖቶም፣ ፖለቲካዊ ርእይቶኦም፣ ዕድሚኦም ኮነ ጾታኦም ብዘየገድስ ኣብ ድሌታቶም መሰረት ብምግባር ሓለዋን ሓገዝን ይገብር።

   UNHCR ድሕነት/ሓለዋ ስደተኛታትን ካልኦት ስክፍታ ዘለዎም ሰባትን ንምርግጋጽ ዘለዎ ዓቕሚ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃታት ስነ-ምግባራውን ሞያውን ኣካይዳ ንምኽባርን ንምድንፋዕን ዘሎ ዓቕሚ ሰራሕተኛታቱን መሻርኽቱን ይምርኮስ።

    ሓታቲ ዑቕባ ኮነ ስደተኛ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንዝኾነ ኣብ UNHCR ወይ ኣብ ናይ ባያታ/ትግበራ መሻርኽቱ ዝሰርሕ ሰብ ብዝኾነ ይኹን መኽንያት ጉቦ ክህብ ክፍትን የብሉን ። ዝኾነ ንሓደ ሓታቲ ዑቕባ ወይ ንሓደ ስደተኛ ብገንዘብ ወይ ሞገስ ኣገልግሎት UNHCR ክረክብ ክሕግዞ ይኽእል እየ ዝብል ሰብ ብቕልጡፍ ሪፖርት ክግበረሉ (ክሕበረሉ/ክንገረሉ) ኣለዎ።


ብኸመይ ክትረኽቡና ትኽእሉ፧

ብዛዕባ ንጥፈታትና ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ስክፍታታኩም ክትሕብሩ ምስ እትደልዩ ወይ ድማ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ መምርሒታት/ኣጋባባት እስራኤል (ኣብዚ ገጻት ሓገዝ ዘይርከብ) ክትረኽቡ ምስ እትደልዩ፡ ስዒቦም ብዘለዎ ኣጋባባት ክተረኽቡና ትኽእሉ፥

  • ቁጽሪ ቴለፎን፡ 📞+972 3 637 6500

ኣጎልጉሎት ምቕባል ቴለፎን : ሰንበት: ሰኑይ: ረቡዕን ሓሙስን ክፉት እዩ ::

ብዘይካ ባዓላት ካብ ሳዓት 09:00 ቅ.ቀ ክሳብ 11:00 ቅ.ቀ ን ካብ ሳዓት 1:30 ድ.ቀ ክሳብ ሳዓት 3:30 ድ.ቀ።

9:00-11:00 AM and 1:30- 3.30 PM, excluding holidays 

ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት UNHCR  ንዝመጹ ሰባት ዝኸውን መቐበሊ ኣጋይሽ የለን። ብክብረትኩም ቆጸራ ምስ ዝህልወኩም ጥራይ ናብ ቤት ጽሕፈት ምጹ።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤