ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ እንታይ እዩ፧
ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ (GBV) ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀሰብ ዝቐንዐ ጎዳኢ ተግባራት አዩ ። ጠንቂ ጸታዊ ዓመጽ ጾታዊ ዘይምዕሩይነትን ስልጣን ካብ ጉቡእ ወጻኢ ምጥቃምን ዝተሰረተ እዩ ። እዚ ድማ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ካልእ ብህዝባዊ ይኹን ብብሕታዊ ኣጋባብ ዝግበር፡ ኣእምሮኣውን ቁጠባውን ጉድኣት ከጠቓልል ይኽእል። እዚ ድማ ምፍርራሕ ብጎነጽ፡ ምግዳድን ምትላልን እውን ዘጣቓለለ እዩ። እዚ ብዙሕ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ፣ ከም ናይ ቀረባ መጻምድቲ ዓመጽ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ መርዓ ህጻናት፣ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ‘ገበናት ክብሪ’ (ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ “ሕፍረት” ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ብሓደ ኣባል ስድራቤት ክትቅጻዕ፣ ክትጉዳእ ወይ ክትቅተል ከላ) ዝበሃሉን።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ እንተ ምስ ዘጋጥመኪ/ካ እንታይ ክትገብሪ/ር ኣለኪ/ካ፧
ዝኾነ ዓይነት ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ(GBV) ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ስንባደ ከስዕብ ይኽእል እዩ፣ ቅድሚ ካልእ ናይ ምግባር ውሳኔ ድማ ነብስኻ/ኺ ምእላይ ወይ ምሕብሓብ ንምግባር ምሕሳብ የደስ።
- ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ ምስ እትህልዉ ወይ ወይ ከቢድ መጉዳእቲ ኣብ ዘጋጥመሉ፡ዝኾነ ቴለፎን ብምጥቃም ብቁጽሪ 100 ንፖሊስ ምሕባር ይካኣል ፡ ወይ ድማ ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ከባቢኹም ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብምቕራብ ተወከሱ። ፖሊስ ጉዳይኩም ክከታተልን፡ ድሌት እንተ ሃሊይኩም ናብ በዓል ሞያ ሕክምናን ባዓል ሞያ ኣማኻርን ንኽትውከሱ ናብ እትኽእልሉ ከሕልፈኩም ክኽእል ኣለዎ። .ኣብ ነብሲ ወከፍ መደበር ፖሊስ ኣጎልጉሎት ትርጉም ክህሉ ኣለዎ። ብኽብረትኩም ኣስተርጓሚ እንተደሊኹም ወይ ድማ ክሕግዘኩም ዝደሊ ጾታ ማለት ጓልኣንስተይቲ ወይ ወዲተባዕታይ ምስ እትመርጹ ንፖሊስ ኣቐዲምኩም ኣፍልጡዎ።
- ብዝተኻእለ መጠን ብቑልጡፍ ናብ ውሑስ ቦታን ክትእለዩን ካብ ሓደጋ ክትወጽኡን ፈትኑ። ብዝኾነ ምኽንያት ክመዚ ዝተጠቕሰ ክትገብሩ ምስ ዘይትኽእሉ፡ ንኣብ እዋን ሓደጋ ክሕግዘኩምን ክድግፈኩም ከም ዝኽእል እትኣምኑዎ ሰብ ክትነግሩ ክትሓስብሉ ፈትኑ።
- እንተ ቆሲልኩም ኣብ ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ናይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጸብጻባዊ መርመራ ክገብሩ ይኽእሉ፡ ድልየት ምስ ዝህልወኩም ድማ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሕባር ክሕግዝኹም ይኽእሉ እዮም። ዝኾነ ክሊኒክ ወይ ሆስፒታል ብዛዕባ ዘጋጠመኩም ክትሕብሩ ከገድድድኹም ኣይክእሉን።
- ንህጹጽ ኣገልግሎት ምኽሪ፡ ብዝኾነ ቴለፎን ብቁጽሪ 118 ናብ መስመር ቴሌፎን ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ድሕነት ኣጎልጉሎት ዘቤታዊ/ስድራቤታዊ ዓመጽ ምድዋል ይካኣል።
- ቀጻሊ ደገፍን ምኽርን ንምርካብ ናብ መሲላ ወይ ኣሳፍ ተወከሱ። ኣብ ህጹጽ ጉዳያት ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ዓመጽ ኣብ ዘጋጠምሉ (GBV)፡ UNHCR እውን ምስ ቁኑዓት ወሃብቲ ኣጎልጉሎት ከራኽበኩም ይኽእል እዩ ። ብመስመር መቐበሊ ኣጋይሽ ክትረኽቡና ትኽእሉ።
ምስጢራዊነት: ዛንታኹም ንመን ትነግሩዎን ዘይትነግሩዎን ናይ ምምራጽ መሰል ኣለኩም። ብዛዕባኹም ንፖሊስ፡ ሆስፒታል ወይ ኣማኻሪ ዝሃብኩሞ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብዘይ ፍቓድኩም ንሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ጋዜጠኛታት፡ ወይ’ውን ንናይ ገዛእ ርእስኹም ኣባላት ስድራቤት ወይ ኣዕሩኽትኹም ከይተረፈ ክካፈል ኣይክእልን።
ዘቤታዊ ዓመጽ እንታይ እዩ፧
-
- ዘቤታዊ ዓመጽ (ናይ ቀረባ መጻምድቲ ዓመጽ ተባሂሉ’ውንዝጽዋዕ) ኣብ ውሽጢ ገዛ ወይ ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም ግዳያት ዝኾኑ፡ ኩሉ ግዜ ግን ኣይኮነን።,
- ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ከም ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ቃላዊ፡ ወይ ጾታዊ ርክብ ክህሉ ይኽእል።. እዚ ዓይነት ዓመጽ ምኽልካል ንጸጋታት፡ ዕድላት ወይ ኣገልግሎት እውን ከጠቓልል ይኽእል።
- ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ኩሉ ባህልታት ዓለም ብማዕረ የጋጥም።
ዘቤታዊ ዓመጽ ብእስራኤላዊ ዜጋ ይፈጸም ብስደተኛ/ወጻእተኛ ብዘየገድስ ምጥሓስ ሕጊ እስራኤል እዩ። ኣብ ዓመጽ ዝዋፈሩ ሰባት ንሓደጋ መቕጻዕትን ማእሰርትን ይቃልዑ።
ብዘቤታዊ ዓመጽ ይሳቐ ከም ዘለኹ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧
ንዓኻ/ኺ ወይ ኣብ ትፈልጦ/ጥዮ ሰብ ይፍጸም ኣሎ ኢልኩም እንተሓሲብኩም ምስ ካልእ ሰብ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ክዝረብ ከሎ ብብዝሒ ዝረኣዩ ነገራት፤
- ኣካላዊ ዓመጽ: ከም: ምቕጥቃጥ: ምርጋሕ: ምድፋእ: ይኹን እምበር ምጭዳር: ምጽራፍ: ምፍርራሕ እውን ዝኣመሰሉ።
2.ምቁጽጻር: መጻምድትኻ/ኺ ዝቆጻጸረካ/ኪ ዘሎ ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም ኩሉ ግዜ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉን ዘይትኽእሉን ዝነግረኩም፡ ኩሉ ዝውስነልኩም፡ ክትወጹ ዘይፍቅደልኩም ወይ ከመይ ዓይነት ባህሪ ክህልወኩም ኣለዎ ዝነገረኩም።
3. ጾታዊ ዓመጽ: ኩሉ ግዜ ንጾታዊ ርክብ ኣይፋል ክትብሉ መሰል ኣሎኩም። ስለዚ መጻምድትኹም ብጾታዊ ርክብ የገድደኩም እንተኾይኑ እዚ ጾታዊ ዓመጽ እዩ።
4. ቁጠባዊ ዓመጽ: መጻምድትኻ/ኺ ሰሪሕካ/ኪ እትረኽቡዎ ገንዘብ ንምዕቃብ ምስ ዘይኣፍቅደልኩም፡ ወይ ድማ ንኹሉ እቲ ገንዘብ ንርእሱ ምስ ዝወስዶ ምስ ዝኸውን።
5. ካብ መጻምድትኻ/ኺ ፍርሒ ይስማዓካ/ኪ እንተ ኾይኑ ወይ ምስኡ/ኣ ውሕስነት ምስ ዘይስማዓካ/ኪ፡ ወይ ንኸይተቖጥዖ/ዓ ዝከኣለካ/ኪ ትጽዕር/ሪ ምስ እትህሉ/ዊ ።
ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት
- እቲ ዓመጽ ናትኩም ገይጋ ኣይኮነን።
- ብዝኾነ ምኽንያት ግዳይ ዓመጽ ክትኮኑ ኣይግባኣኩምን እዩ።
- ዋላ’ውን መጻምድትኻ/ኺ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ደቅኻ/ኺ ዓመጽ እንተዘይገበረን እቲ ዓመጽ ናባኻ/ኺ ጥራይ ዝቐንዐን እንተኾነ፡ ስድራቤታዊ ዓመጽ ኣብ ደቅኻ/ኺ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎን ብቐጥታ ድማ ይጎድኦምን።
- ንርእስኹምን ንደቅኹምን እትሕገዝሉን እትካላኸሉሉን ኣማራጺታት ኣለዉ።
ብዘቤታዊ ዓመጽ ይሳቐ ኣለኹ. እንታይ ምግባር ይካኣል፧
ርእስኻ/ኺ ኮነ ካልእ እትፈልጡዎ ሰብ ግዳይ ዝቤታዊ ዓመጽ እንተ ኽዕይኑ፡ ብዙሕ ክትገብሩዎ እትኽእሉ ነገራት ኣለዉ።
- ምክልኻል/
ካብ መጻምድተን ዓመጽ ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ናይ ግዳያት ዓመጽ ስድራቤት መንግስታዊ መዕቆቢ ክስደዳ ይኽእላ።. ከም በዓል መሲላ፡ ኣሳፍ፡ ወይ ዝኾነ ኣብ መላእ እስራኤል ዝርከብ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ምምሕዳር ከተማ ዝኣመሰሉ ኣካላት ናብ መንግስታዊ መዕቆቢ ቦታ ክሰድኹም ይኽእሉ። እዞም መዕቆቢታት እዚኦም ፡ ግህሰት ዝበጸሖም ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ካብ ዘጋፉዑወን ኣካላት ድሕነት ዝረኽብሎም መዕቆቢ ቦታታት እዮም። መዕቆቢ ዝርከበሉ ቦታ፡ እቲ በዳሊ ንኸይረኽቦ መታን ብምስጢራዊ ኣጋባብ ይታሕ።
ኣብ እስራኤል ዝኾነ ዓይነት ግህሰት ወይ ሓደጋ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ምስ እትርኢ ናይ ምሕባር ዝግድድ ሕጊ ኣሎ።
- ጉቡእ ክንክን/ኣጎልጉሎት
ብመገዲ ኣሳፍ ወይ ምሲላ ናብ ማእከል ኣጎልጉሎት ሕብረተሰብ ምውጋድ ስድራቤታዊ ዓመጽ ምውካስ ይካኣል። ካብ ቴል ኣቪቭ ወጻኢ ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ ናብ ዝርከብ ክፍሊ ሰብኣዊ ድሕነት ምምሕዳር ከተማ ምውካስ ይካኣል።
ንዓይ ወይ ንዝፈልጦ ሰብ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተ ምስ ዘጋጥመና ንመን ክረኽቦ ኣለኒ፧
-
- ናብ ማእከላት ኣሉማ ደውሉ። – ን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ናይ ግዝያዊ ጽላል፡ ህጹጽ ረድኤት፡ ንሓጺር ግዜ (ክሳብ 72 ሰዓታት) መጽለሊ፡ ሕክምናዊ ክንክን፡ ሕጋዊ ምኽርን ካልእን ሓዊሱ – ንዝኾነ ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ኣብ እስራኤል ዘለዎ ወረቐት ብዘየገድስ ዝተፋላለየ ኣጎልጉሎት ዝሕብ ማእከል። ዝኾነ ሪፈራል ኣየድልን። እዘን ማእከላት 24 ሰዓት ይሰርሓ።
- ፖሊስ፡ ናብ 100 ደውሉ
- ናይ ሚኒስትሪ ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ድሕነትን መስመር ቴሌፎን ንዘቤታዊ/ስድራቤታዊ ዓመጽ: 118 ደውሉ (ኣገልግሎት 24/7 ይርከብ። እዚ ህጹጽ መስመር ቴሌፎን ብእብራይት፣ ሩስያ፣ ዓረብ፣ ኣምሓርኛ፣ እንግሊሽን ፈረንሳን ኣጎልጉሎት ይህብ።
ቁጽሪ ቴለፎን፡ 077-9208560ነጻ
ቁጽሪ SMS ሓጺር መልእኽቲ ፡ 050-2270118
Akko(ኣክኮ) (Acre): [email protected] 04-6108486
Beit Shemesh(ቤት ሸመሽ): [email protected] 02-6279643
- ናብ ማእከላት ኣሉማ ደውሉ። – ን ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ናይ ግዝያዊ ጽላል፡ ህጹጽ ረድኤት፡ ንሓጺር ግዜ (ክሳብ 72 ሰዓታት) መጽለሊ፡ ሕክምናዊ ክንክን፡ ሕጋዊ ምኽርን ካልእን ሓዊሱ – ንዝኾነ ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ኣብ እስራኤል ዘለዎ ወረቐት ብዘየገድስ ዝተፋላለየ ኣጎልጉሎት ዝሕብ ማእከል። ዝኾነ ሪፈራል ኣየድልን። እዘን ማእከላት 24 ሰዓት ይሰርሓ።