ትምህርትን ስልጠናን

ትምህርቲ ስደተኛታት ፍረን ዕግበትን ዘለዎን ናጻን ህይወት ንኽነብሩ ፍልጠትን ክእለትን ብምሃብ ሓይሊ ይህቦም። ብተወሳኺ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ህይወቶምን ማሕበረሰቦምን ዳግማይ ንምህናጽ ንምቕያር እንዳ ጻዓሩ ብዛዕባ ዓለም ክፈልጡን ክነቕሑን የኽእሎም። ኣብ ታሕቲ ስዒቡ ከመይ ጌርካ ኣብ እስራኤል ትምህርቲ  ትረክብ ገለ ሓበሬታ ብዛዕባ ምርካብ ይካኣል፤

ኣብ እስራኤል እንግሊሽን/ወይ እብራይስትን ኣበይ ክመሃር ይኽእል፧

ኣብ ቴል ኣቪቭ 

ኣብ የሩሳሌም

  • ማእከል ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ የሩሳሌም ገለ ናይ ኢብራይስት ትምህርቲ ይህብ። ብዛዕባ መደብን ወጻኢታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምብጻሕ ወይ ምድዋል ይካኣል።

ሃይፋ

  • ኣሌፍ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ እንግሊሽን ኢቭሪትን ንቆልዑትን ዓበይትን
    ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ንዓበይትን ቆልዑትን ብቁጽሪ ቲለፎን 00972508775124 ብዋሳፕ መልእኽቲ ምስዳድ ወይ ድማ ምድዋል ይካኣል። ወይ ኣብ ሳዓታት ኣጎልጉሎት ምቕባል ኣጋይሽ ምውካስ ይካኣል።

ሓድሽ ክእለት/ሞያ ኣበይ ክመሃር ይኽእል፧

ሓደስቲ ክእለታት ንምምሃርን ንምልምማድን ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለውኹም፣ ኣብ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን ትካላት ወይ ሞያዊ ኣብያተ ትምህርቲ።

ኣብ ቴል ኣቪቭ 

  • ማእከል ምዕባለ ኣፍሪቃውን ስደተኛታት (ARDC) ወርሓዊ ኣብ ዝተፈላለዩ  ትምህርትታት  ዓውደ መጽናዕትታት ከም ኮዲንግ ቡትካምፕ፡ ትምህርቲ ማንኪዩር/ፔዲኪዩር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ርእሰ-ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም ስኮልሃውስን ፕሮግራም ALEF ኣብ ሃይፋ ዝወሃብ ትምህርቲ ኢብራይስትን እንግልሽን ዝኣመሰሉ  ዓውደ መጽናዕትታት የቕርብ።
  • ማእከል ትምህርቲ ማሕበረሰብ (CEC) ዝተፈላለዩ ከም ስፌትን ዲዛይንን፡ ቋንቋ ኢብራይስትን ኢንግሊሽን፡ ከምኡ’ውን ኮምፒተር ዝኣመሰሉ ትምህርትታትን ስልጠናታትን ይህብ።ብዛዕባ መደብን ወጻኢታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ CEC ምብጻሕ ወይ ምድዋል ይካኣል።

ቤአር-ሸቫ 

  • NRC (ማእከል ስደተኛታት ሃነገቭ) ንሓተትቲ ዑቕባ  ንእንግልሽን ኢቭራይስትን ክፍልታት ዝኸውን ክፍልታትንኣብያተ ትምህርትን ንምርካብ ይሕግዞም። ብዛዕባ መደብን ወጻኢታትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ CEC ምብጻሕ ወይ ምድዋል ይካኣል።

 

ሃይፋ

  • ኣሌፍ ኣብ ዝተፋላለዩ ዓምድታትን ሞያታትን ከም ስልጣኔታት፡ ሕብሐባ፡ ቴክነሎጂ፡ ፎከስቲ ስልጣኔታት፡ ወላዲነትን ካልእ ውልቃዊ ምዕባሌታትን ኣብ ምሃብ ይነጥፍ። ከም ተወሳኺ ኣሌፍ ኣብ ምርካብ ናይ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ዕድላትን ድምጺ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ምዃንን ልዑል ተራ ይጻወት። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ንዓበይትን ቆልዑትን ብቁጽሪ ቲለፎን 00972508775124 ብዋሳፕ መልእኽቲ ምስዳድ ወይ ድማ ምድዋል ይካኣል። ወይ ኣብ ሳዓታት ኣጎልጉሎት ምቕባል ኣጋይሽ ምውካስ ይካኣል።

ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድላትን ስኮላርሺፕን ኣሎ ድዩ፧

እወ! ብፍላይ ንስደተኛታት ዝወሃብ ስኮላርሺፕ ኣሎ፡ እንኮላይ ንኣብ ካልኦት ሃገራት ብምኻድ ክመሃሩ ዝደልዩ።

ስዒቦም ዘሎ ንገር ንምርካብ መርበብ ሓበሬታ ዕድላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትፍትሹ:

  •         ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተረጋገጹ ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣካዳሚያዊ ወይ ስኮላርሺፕ ፕሮግራማት ርኸቡ።
  •         ምጽራይ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ኮነ ካብ እስራኤል ወጻኢ ምዕቡል መጽናዕቲ/ትምህርቲ፣ ክእለትን ሞያዊ ስልጠናን ።
  •     ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ተዳጋጋሚ ዝማላለሱ መደባት
  •       ሓደስቲ ምዕባሌታት ኣብ ዝርከብሉ ግዜ ኣብ ግዜኡ ምልላዮም

ኣልበርት ኣንስታይን ጀርመናዊ ኣካዳሚያዊ ተበግሶ ስደተኛታት (DAFI) ስደተኛታት ተማሃሮ ኣብታ ዑቕባ ዝረኸቡላ ሃገር ላዕለዋይ መደባት ትምህርቲ ንኽረኽቡ ስኮላርሺፕ ይህብ።

ንኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኣብ እትምዝገቡሉ እዋን ምስ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ (ARDC) ወይ ንማሕበር ተመሃሮ ኣፍሪቃ ኣብ እስራኤል (ASO) ተወከሱ።

 

ደቀይ ኣብ እስራኤል ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ ድዮም፧

እወ! ህጻናት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ትምህርቲ ኣለዎም። እዚ ማለት ኩሎም ደቂ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ እስራኤል፡ ሕጋዊ ኩነታቶም ብዘይኣገድስ መንግስታዊ ትምህርቲ ክማሃሩ ይግበኦም እዩ ።

ሕጊ እስራኤል ኩሎም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ስለ ዘገድድ፡ ናይ ወለዶም ናይ ስደት ኩነታት/ወረቐት ብዘየገድስ፡ ኩሎም ካብ 6-18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡን ብስሩዕ ክመሃሩን ኣለዎም።

ደቀይ ከመይ ጌረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመዝግቦም ይኽእል፧

ምምዳብ ብምምሕዳር ከተማ እዩ ዝፍጸም። ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ምደባ ብመሰረት ምዝገባ ኮይኑ ብመንበሪ ኣድራሻ ናይቲ ህጻን ይውሰን።

ናይ ምዝገባ ቦታታት ብመሰረት ትጽቢት ዝግበረሉ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝኣትዉ ህጻናት ዓመት ዓመት ይቃያየር። ብኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘሎ እዋናዊ መንበሪ ኣድራሻ መሰረት፡ ኣብቲ ናይ እትነብርሉ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ክትምዝገብ ይግደድ።

ኣብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ንምምዳብ ክተመልክቱ እንተደሊኹም ፡ መጀመርያ መስርሕ ምዝገባ ናይቲ ኣብ ከባቢኹም ዝተመደበ ቤት ትምህርቲ ክትውድኡ ኣለኩም- ኣብ መወዳእታ ናይቲ መስርሕ ድማ ናይ ምስግጋር/ምቕያር ጥራዕን ምቕራብ ይካኣል። እዚ ናይ ምቕያር መስርሕ ኣብ እዋን መዝገባ ጥራይ ክግበር ይካኣል፡ ማለት ኣብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ለካቲት ናይታ ዘላ ዓመተ ትምህርቲ ማለት እዩ።

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ ቆሎዑት ኣለዉኒ። እቲ ቤት ትምህርቲ ካባይ እንታይ እዩ ዝጽበ፧

ፖሊሲታት ክፍሊ ብዛዕባ ምቁር መግቢ፡  ዕዮታት(ኣብ ክፍሊ ዝገብሮ)፡ ከምኡ’ውን ካልእ ተዛመድቲ ወጻኢታት ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ብከመይ ከም ዘዳልውዎ ንምርዳእ ምስ መምሃራን ውላድካ ምዝርራብ  ኣገዳሲ’ዩ።

ንኣብነት ገለ ክፍልታት/ክላሳት ንነፍሲ ​​ወከፍ ቆልዓ ኣብ ዕለተ ልደቱ ህያብ ልደት ንምግዛእ ውሑድ ገንዘብ ከዋጽኡ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ክፍልታት/ክላስት ድማ  ኣብ ዕለተ ልደት ውላዶም ምቁር መግቢ ሒዞም ናይ ምምጻእ ልምድታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ይኹን እምበር ር ምቁር መግቢ ግን ዘይምፍቃድ።  ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርትን ክፍልን ዝተፈላለየ ስለ ዝኸውን፡ ውላድኩም ኣብዛ ዓመተ ትምህርቲ እዚኣ እንታይ ከም ዘድልዮ ንምርዳእ ምስ መምህር ውላድኩም ተዛራረቡ።

ኣገደስትን ሓዱሽን ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ንመምህር ውላድኩም ኣብቲ ናይ ወለዲ ዋትስኣፕ ጉጅለ ክጽምብረኩም ሕተትዎ። ምንባብ ኢቭራይስት እንድሕር ዘይትኽእሉ ኮይንኩም ወይ ገለ ክፋል ካብ ወለዲ ዘይክእሉ ምስ ዝኾኑ፡ መምህር ካልእ ናይ በይንኹም ጉጅለ ዋስትፕ ክኸፍተልኩምን ድምጺ ብምምላእ ክሰደልኩም ወይ ካዛኻኽረኩምን ሕተትዎ።

ውላደይ ከመይ ጌረ ኣብ መዋእለ ህጻናት ይምዝግብ፧

ምዝገባ መዋእለ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ብመንገዲ ክፍሊ ትምህርቲ ቆልዓ ዝነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ክግበር ኣለዎ።ኣብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብኢንተርነት ምምዝገብ ይከኣል እዩ፣ ብኣካል ምምዝጋብ እውን ይካኣል እዩ።

ሓፈሻዊ ፡ መስርሕ ምዝገባ ንዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ-ለካቲት ናይታ ዘላ ዓመት ይካየድ።.

ኣብዚ ናይ ምዝገባ እዋን ኣብተን ምምሕዳራት ከተማታትዝርከባ ክፍልታት ትምህርቲ ኣብቲ ዝተወሰነ ዕለት ናይ ምዝገባ ኖቕጣታት ከም ዝኸፍታን  ኣድራሻ ኖቕጣን ሳዓታት ምዝገባን ብወግዒ ኣብ ከባብያዊ ጋዜጣ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መርበብ ሓበሬታን ብቐጥታ ናብ ወለዲ መልእኽቲ ብምስዳድን ካልእን ክሕብራ እየን።ኣብተን ኖቕጣታት ምዝገባ ናይ ምምሕዳር ከተማ መመዝገቢ ቅጥዓታትን መምርሒ ጽሑፋት ክህሉው እዮም።

ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፣ እዚ ኣገልግሎት ብዘይ ክፍሊት እዩ፡ምምሕዳር ከተማ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ክፍሊት ወይ ካልእ ክፍሊት ክሓትት ኣይግባእን፣ ወይ ድማ ንምዝገባ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ናይ ክፍሊት ወይ ጠለብ እንኮላይ ጠለብ ክፍሊት ዕዳ ክገብር ኣይግባእን።

ኣብ ምዝገባ መዋእለ ህጻናት ክሕግዙ ዝኽእሉ ትካላት/ማሕበራት

  • ኤላት፡ ንዝያዳ ሓበሬታ ንማእከል ማሕበረሰብ CIMI ተወከሱ
  • ቴል ኣቪቭ፡ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ መሲላ ምብጻሕ።
  • ሃይፋ፡ ንዝያዳ ሓበሬታ ንALEF ተወከሱ።
  • ኣብ ከባቢኹም ናይ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ሳዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ምብጻሕ ይካኣል።

ፍሉይ ድሌት ዘለዎ ቆልዓ ኣለኒ። ኣበይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል፧

ውላድኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ይማሃር፡ ብዛዕባ ዘድልዩ  መርመራታትን ንውላድኩም ዝምጥን ትምህርታዊ ምምዳብን ዝምልከት ተወሳኺ መምርሒ/ሓበሬታ ንምርካብ ንኣማኻሪ/ት ቤት ትምህርቲ ምውካስ ይካኣል።ውላድኩም ዕድሚኡ ልዕሊ 3 ዓመት እንተኾይኑን ኣብ ግዴታዊ መዋእለ ህጻናት ምስ ዝህሉ፡ ንኣማኻሪ/ት መዋእለ ህጻናት ወይ መምህር ምውካስ ይካኣል።ብተወሳኺ ነብርቲ ኣብ ቴል ኣቪቭ  እንተኾንኩም ንመሲላ እውን

ምውካስ ይካኣል እዩ። ኣብ ተልኣቪቭ ዘይትነብሩ እንተኾይንኩም ድማ ንኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ናብ ክፍሊ ሰብኣዊ ድሕነት ወይ ትምህርቲ ክትውከሱ ትኽእሉ።

ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ሕጽረት ጸጋታት ክህሉ ስለዝኽእል፡ ውላድኩም ቅኑዕ ዝግበኦ ደገፍ ይረክብ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ምክትታል ከድልየኩም ይኽእል እዩ።

ንደቀይ ድሕሪ ትምህርቲ ዝኸውን ንጥፈታት ይደሊ።

ገለ ድሕሪ ትምህርቲ ብሕብረተሰባዊ ጨንፈራት፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ኣብያተ ትምህርትን ከባብያዊ ምምሕዳር ከተማታትን ዝካየዱ ንጥፈታት ኣለዉ። ብኽብረትኩም ኣብ ከተማኹም ንዝርከቡ ዝምልከቶም ትካላት ተወከሱ ወይ ድማ ካብዞም ዝስዕቡ ትካላት ሓደ ሕተቱ: ኣሳፍ / ሲሚ/ ኤሊፈለት/ መሲላ


ተዛማዲ ሓበሬታ፤