ተኣሲረ ኣለኹ

መሰላተይ ኣብ እዋን ማእሰርቲ እንታይ እዮም፧

➡️ እቲ ትእዛዝ ። ክሳብ ከምኡ ክገብሩ ዘፍቅድ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ዝየተዋህብፕም ፖሊስ ናብ ገዛ ናይ ምእታው መሰል የብሎምን። ኣባላት
ፖሊስ ነቶም ኣብቲ ገዛ ዝነብሩ ሰባት ፍቓድ ወረቀት ትእዛዝ ከቕርቡሎም/ከሪኡዎም ኣለዎም። እቲ
ትእዛዝ ነነብርቲ እቲ ገዛ ብዝርደኦም ቋንቋ ክጽሓፍ ኣለዎ፣ ልክዕ ኣድራሻ ናይቲ ገዛ ዘጠቓለለ ድማ ክኸውን ኣለዎ ።

➡️ ዓመጽ/ጎነጽ ዘይብሉ። ኣብ እዋን ማእሰርቲ ዝኾነ ጎነጽ/ዓመጽ ክግበር የብሉን። ንማእሰርቲ ምስትቋወሙ፡ሓደ ኣባል ፖሊስ ነቲ ማእሰርቲ ንምርግጋጽ ርትዓዊ ሓይሊ ክጥቀም ይኽእል።

➡️ ጠበቓን ቴለፎን ምድዋልን። ከም  ዝተኣሰርኩም ንምሕባር ቴለፎን ናይ ምድዋል መሰል ኣለኩም ። ቅድሚ
መርመራ ፖሊስ ምስ ጠበቓ ናይ ምምኽኻር መሰል ኣለኩም ። ጠበቓ ምስ ዘይህልወኩም፡ ብመንግስቲ ክግበረልኩም ምሕታት ይካኣል፡
ምናልባት ገለ ከም ሕጸረት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ቅድመ ኩነታት ብምምላእ ክቐርበልኩም ይኽእል እዩ ።

➡️ ስምዕታ/ቃለ መሕተት ኣብ  ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት(ኢሚግረሽን)  ቃለ መሕተት እንተሃልዩኩም እውን ብጠበቓ ክትውከሉ መሰል ኣለኩም፣ ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ጠበቓ ምርካብ ግን ኣይካኣልን።  ንሆትላይን ወይ ሃያስ ናይ ጠበቓ
ሓገዝ ክገብሩልኩም ምውካስ ምውካስ ይካኣል።


⬅️ ናብ ሓገዝ ኣበይ ምርካብ ይካኣል፧  ተመለስ

ተዛማዲ ሓበሬታ፤