ዳግመ-ምጥያስን ምትላልን

ብዙሓት ዘይእሙናት ውልቀሰባትን ትካላትን፡ ንዳግመ ምጥያስ(ሪስተልመንት) ንተስፋ ሙቕራጽን ሽግራትን ስደተኛታት ብምምዝማዝ ናብ ሳልሳይ ሃገራት ውሑስን ሕጋውን ምብጻሕ ንምርካብ ዘለዎም ድሩት ኣማራጺታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም መንጪ ኣታዊ ዕድል ይርእይዎ።

ናይ ሓሶት ትካላት ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ብኽፍሊት ናይ ደግመ ምጥያስን ስራሕን ዕድላት ከም ዘሎ ቃል ንምእታው ናይ ሓሶት ናይ ቻት ጉጅለታትን መርበብ ሓበሬታትን ይጥቀማ። ንስደተኛታት ዕላማ ብምግባር ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኤምባሲታት ኣቢሎም ንኢሚግሬሽን “ውሕስነት” ከም ዝገብሩ ዝሕብሩ ናይ ሓሶት ናይ ቪዛን ስደትን ኩባንያታት ኣለዉ። እዚኦም ኩሎም መታለልቲ እዮም።

መታለልቲ ከም ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መሲሎም – ወይ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ሰብ ንፈልጥ ኢና ብምባል– ብገንዘብ ወይ ብሞሳ ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ቃል ይኣትዉ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት፡

ሓተትቲ ዑቕባ ኮነ ካልእ ምስቲ ትካል ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላት ዝግባእ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ወይ ካልእ ዝኾነ ኣጎልጉሎት ፈጺሙ ክፍሊት ኣይሓትትን።


 ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብነጻ እዩ።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤