ምጥርናፍ ስደተኛታት ስድራቤት እንታይ እዩ፧
ስደተኛታት ስድራቤታት ካብ ዓዶም ክሃድሙ ኣብ ዝግደዱሉ እዋን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ተበታቲኖም ተፈላልዮም ይጸንሑ። ሃገራት ብመስርሓት ምጥርናፍ ስድራቤት ናይ ስደተኛታት ህይወት ስድራቤት ናይ ምሕላውን ናብ ንቡር ናይ ምምላስን ሓላፍነት ኣለወን። ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሕጋዊ ቅርጺ ሓንቲ ሃገር ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣጋባብ መስርሕ እዩ ።
ኣብ እስራኤል ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ጥርዓን/ሕቶ ከቕርብ ይኽእል ዶ፧
ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ናይ ስደተኛ ተቐባልነት ምስ ረኸብካ/ኪ፡ ኣብ መስርሕ ጥርናፌ ስድራቤታት ብቑዓት ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት ንምጥርናፍ ምምልካት ይካኣል። ድሕሪኡ ናይ ኣባላት ስድራቤትካ/ኪ “ስፖንሰር” ወይ “ኣላዪ” ዝብል ስታቱስ ክህልወካ/ኪ እዩ። ብመሰረት ሕጊ እስራኤል፡ ንመስርሕ ጥርናፌ ስድራቤት ብቑዓት ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት፡ መጻምድቲ፡ ወለዲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ይርከብዎም።
ንሕቶ ዑቕባ ውሳነ ዝጽበ ሓታቲ ዑቕባ ወይ ሰብኣዊ ቪዛ ዘለዎ ፡ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ስደተኛታት እስራኤል ኣይምልከቶን።
ኣብ ካልእ ሃገር ኣባላት ስድራይ ኣለዉኒ። ብከመይ ክጽንበሮም ይኽእል፧
ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ኣባላት ስድራቤትካ/ኪ ንምጥርናፍ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤትካ/ኪ በቲ ኣብታ ዝነብሩላ ሃገር ዘሎ ቁቡል መስርሕ/ኣገባባት መሰረት ብምግባር ንክትጽንበሮም ስፖንሰር ክገብሩልካ/ኪ ናብ ባዓል መዚ ናይታ ዝነብሩላ ሃገር ከመልክቱ ይግባእ። ንኣብነት ሰብኣይኪ ወይ ሰበይትኻ ኣብ ጀርመን እንተሃልዮም ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽን ጀርመን ነቲ መስርሕ ክጅምሩዎ ኣለዎም።
ንዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ዝርከቡሉ ሃገር-ፍሉይ መዐቀኒታትን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን፡ ብኽብረትኩም ሓገዝ ሓበሬታ እትደልዩላ ዘለኹም ሃገር ምረጹ እሞ ናብ ክፍሊ ምጥርናፍ ስድራቤት እተዉ።