ፕሮግራም/መደብ ብሕታዊ ስፖንሰርሽፕ ካናዳ

ፕሮግራም ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ካናዳ እንታይ እዩ፧

ካናዳ ነዊሕ ዝጸነሐ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ባህሊ ዘለዋ ኮይና ስደተኛታት ንምጥያስ ዝተፋላለ መደባት ድማ ኣለዋ። ብዘይካ እቲ ብመንግስቲ ዝድገፉ መደባት፡ ዜጋታት ከናዳ ኮነ ቆወምቲ ነብርቲ ካንዳ እውን ብመገዲ መደብ ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ንስደተኛታት ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ሓዱሽ ሂወት ንክሃንጹ ብመገዲ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ብዛዕባ ናይ ካናዳ ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ፕሮግራም/መደብ ምሉእን ቅኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ብኽብረትኩም ንዕኡ ኣብ ዝምልከት መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ካናዳ ተወከሱ።

ሓጺር መግለጺ ናይ ካናዳ ስፖንሰርሺፕ መደብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ UNHCR እስራኤል ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንክፋል ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ዝኾኑ ከም ጉጅለ ሓሙሽተ(ግሩፕ ፋይፍ)ን ስፖንሰርሺፕ ማሕበረሰብን  እቲ ስፖንሰር ዝግበረሉ ስደተኛ ብውልቂ ካብ ብመንግስቲ ወይ ካብ UNHCR ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዘርኢ ሰነድ ክህልዎ ኣለዎ።

ኣብ ካናዳ ናይ ጉጅለ 5 ወይ ማሕበረሰብ ስፖንሰር ኣለኒ። ኣብ እስራኤል ናይ ስደተኛ ሰነድ/ወረቐት ብኸመይ ክረክብ ይኽእል፧

ኣብ ግንቦት 2021፡ UNHCR እስራኤል ኣብ ካናዳ ስፖንሰራት ክኾኑ ዝኽእሉ ዘለዎም ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛ ደብዳቤታት ዝሓትት ምዝገባ ከፊቱ። UNHCR ልዕሊ 4000 ጠለባት ማለት ደብዳቤ ዝደልዩ ጥርዓናት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ካብ 2021 ጀሚሩ ነዞም ጠለባት ኣጎልጉሎት ክህቦም ጸኒሑ እዩ። ኩሎም ኣብ ትጽቢት ዘለዉ ቃለ መሕተታት ኣብ  ሰነ 2025 ተዛዚሞ እዮም። ።

 ብሰንኪ ሕጽረት ዓቕሚ፡ UNHCR እስራኤል ንስፖንሰርሺፕ ካናዳ ዝኸውን ሓድሽ ጠለባት ደብዳቤ ስደተኛታት ኣይክቕበልን እዩ።

ንመደብ ስፖንሰርሺፕ ምኽፋል የድልየኒ ድዩ፧

ዝኾነ ስፖንሰርሺፕ ንስደተኛታት ንኽገብረልኩም ወይ ናይ ስደተኛ ወረቐት ከውህበኩም እየ ኢሉ ክፍሊት ዝሓተተኩም ኣካል ኣይትእመኑዎ። ብመሰረት ፕሮግራም ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ስደተኛታት ካናዳ፡ ስፖንሰራት ንስደተኛታት ገንዘባውን ሰፈራውን ሓገዝ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣለዎም። ንናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ። ብተወሳኺ ንስፖንሰርሽፕ ንሕክምና፣ ንመዕረፊ (ኣባይቲ) ወይ ንሓገዝ ሰፍራ ኣቐዲምኩም ምኽፋል ወይ ምምላስ ኣየድልየኩምን እዩ።

ንስኹም ወይ ትፈልጡዎ ሰብ ግዳይ ከምዚ ዓይነት ምትላል እንተኾይንኩም፡ ብኽብረትኩም ሪፖርት ግበሩ።

ኣብ ዓመተ 2025 ንመደባት ስፖንሰርሺፕ ዝምልከት ዝተቐየረ ነገር ፖሊሲ ኣሎ ድዩ፧

ኣብ እስራኤል፡ ክሳብ ሰነ 2025 UNHCR እስራኤል ንኹሎም እቶም ኣብ 2021 ብኢንተርነት ሕቶ ዘቕረቡን ንብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ካናዳ ካብ  UNHCR  ናይ ስደተኛ ወረቐት ንምቕባል ቃለ መሕትት ዝጽበዩ ፡ ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንጡፋት ስፖንሰራት ዘለዎም ኢንተርቪው ገይሩ  ወዲኡ እዩ ። UNHCR ነቲ ቃለ መሕትት ወዲኡ ቅድሚ መወዳእታ ሰነ 2025 ስደተኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ሂቡ።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤