ፕሮግራም/መደብ ብሕታዊ ስፖንሰርሽፕ ካናዳ

ፕሮግራም ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ካናዳ እንታይ እዩ፧

ካናዳ ነዊሕ ዝጸነሐ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ባህሊ ዘለዋ ኮይና ስደተኛታት ንምጥያስ ዝተፋላለ መደባት ድማ ኣለዋ። ብዘይካ እቲ ብመንግስቲ ዝድገፉ መደባት፡ ዜጋታት ከናዳ ኮነ ቆወምቲ ነብርቲ ካንዳ እውን ብመገዲ መደብ ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ንስደተኛታት ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ሓዱሽ ሂወት ንክሃንጹ ብመገዲ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ብዛዕባ ናይ ካናዳ ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ፕሮግራም/መደብ ምሉእን ቅኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ብኽብረትኩም ንዕኡ ኣብ ዝምልከት መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ካናዳ ተወከሱ።

ሓጺር መግለጺ ናይ ካናዳ ስፖንሰርሺፕ መደብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ UNHCR እስራኤል ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንክፋል ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ዝኾኑ ከም ጉጅለ ሓሙሽተ(ግሩፕ ፋይፍ)ን ስፖንሰርሺፕ ማሕበረሰብን  እቲ ስፖንሰር ዝግበረሉ ስደተኛ ብውልቂ ካብ ብመንግስቲ ወይ ካብ UNHCR ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ዘርኢ ሰነድ ክህልዎ ኣለዎ።

ኣብ ካናዳ ናይ ጉጅለ 5 ወይ ማሕበረሰብ ስፖንሰር ኣለኒ። ኣብ እስራኤል ናይ ስደተኛ ሰነድ/ወረቐት ብኸመይ ክረክብ ይኽእል፧

ኣብ ግንቦት 2021፡ UNHCR እስራኤል ኣብ ካናዳ ስፖንሰራት ክኾኑ ዝኽእሉ ዘለዎም ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ስደተኛ ደብዳቤታት ዝሓትት ምዝገባ ከፊቱ። UNHCR ልዕሊ 4000 ጠለባት ማለት ደብዳቤ ዝደልዩ ጥርዓናት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ካብ 2021 ጀሚሩ ነዞም ጠለባት ኣጎልጉሎት ክህቦም ጸኒሑ እዩ። ኩሎም ኣብ ትጽቢት ዘለዉ ቃለ መሕተታት ኣብ 2025 ክንውደኦም መዲብና ኣለና።

 ብሰንኪ ሕጽረት ዓቕሚ፡ UNHCR እስራኤል ንስፖንሰርሺፕ ካናዳ ዝኸውን ሓድሽ ጠለባት ደብዳቤ ስደተኛታት ኣይክቕበልን እዩ። ብኽብረትኩም ሓደስቲ ምዝገባታት ዝኽፈተሉ እዋን ንምሕታት ናብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ምድዋል ኣወግዱ።

ካብ UNHCR ናይ ስደተኛ ደብዳቤ ንምርካብ ኣብ ምጽባይ ዘሎ ጥርዓን እንተሃልዩኩም፡ እሞ ኢመይል ኣድራሻኹም ወይ ቁጽሪ ተሌፎንኩም እንተቐይርኩም፡ ምእንቲ ዝርዝር  ኣድራሻኹም ክነዐርዮ ብኽብረትኩም ክሳብ ግንቦት 2025 ንቤት ጽሕፈትና ተወከሱ፤ ብኢመይል [email protected]

ንመደብ ስፖንሰርሺፕ ምኽፋል የድልየኒ ድዩ፧

ዝኾነ ስፖንሰርሺፕ ንስደተኛታት ንኽገብረልኩም ወይ ናይ ስደተኛ ወረቐት ከውህበኩም እየ ኢሉ ክፍሊት ዝሓተተኩም ኣካል ኣይትእመኑዎ። ብመሰረት ፕሮግራም ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ስደተኛታት ካናዳ፡ ስፖንሰራት ንስደተኛታት ገንዘባውን ሰፈራውን ሓገዝ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣለዎም። ንናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ። ብተወሳኺ ንስፖንሰርሽፕ ንሕክምና፣ ንመዕረፊ (ኣባይቲ) ወይ ንሓገዝ ሰፍራ ኣቐዲምኩም ምኽፋል ወይ ምምላስ ኣየድልየኩምን እዩ።

ንስኹም ወይ ትፈልጡዎ ሰብ ግዳይ ከምዚ ዓይነት ምትላል እንተኾይንኩም፡ ብኽብረትኩም ሪፖርት ግበሩ።

ኣብ ዓመተ 2025 ንመደባት ስፖንሰርሺፕ ዝምልከት ዝተቐየረ ነገር ፖሊሲ ኣሎ ድዩ፧

መንግስቲ ካናዳ፡ ብመንገዲ ጉጅለ ሓሙሽተን ማሕበረሰብ ስፖንሰርሺፕን ዝግበሩ ሓደስቲ መመልከቲታት ናይ ካናዳ ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕ ክሳብ መወዳእታ 2025 ኣብ ምቕባል ብዓለም ደረጃ ደው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ኣብ መስርሕ ዘለዉ መስራሕት ኮይኑ ብመሰረት ውጥን ደረጃታት ኢሚግሬሽን ናይ ካብ 2025–2027 ዘሎ ብዝሒ ሕዙእ ቦታታት እዩ።

ይኹን እምበር ካብ ሚያዝያ 30, 2025 ጀሚሩ ካናዳ ብመገዲ ጉጀለ 5 ን ማሕበረሰብ ስፖንሰርሽፕን 160 ሓደስቲ መስርሓት ስፖንሰር ሺፕ ንሱዳናውያን ስደተኛታት ክትቅበል እያ።ካናዳ ብፍሉይ ኣብዚ መስርሕ እዚ ጥራይ ንጠለብ ናይ ስደተኛ መራጋገጺ ወረቐት ገዲፋቶ ኣላ።

ብመንገዲ ስፖንሰርሺፕ ስምምዕ ወነንቲ ስኬም (SAH) ዝግበር ሓደስቲ መመልከቲታት/መስራሕት ከም ዘይተቛረጸ ኣስተውዕል።

ኣብ እስራኤል ክሳብ ግንቦት 2025 UNHCR እስራኤል ንኹሎም እቶም ኣብ 2021 ብኢንተርነት ዝተመዝገቡ/ጥርዓኖም ዘቕረቡን ኣብ ዝርዝር ናይቶም ኣብ UNHCR ናይ ስደተኛታት ደብዳበ ዝጽበዩን፣ ንናይ ካናዳ ብሕታዊ ስፖንሰርሺፕን ንጡፋት ስፖንሰራት ዘለዎምን ኣመልከትቲ ቃለ መሕትት ምግባር ክውድእ እዩ። UNHCR ቅድሚ መወዳእታ ሰነ 2025 ነቲ ቃለ መሕትት ዛዚሙ ነቶም ስደተኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ደብዳቤታት ስደተኛታት ክህብ እዩ።

ኣስተውዕሉ፡ ካብ UNHCR እስራኤል ዝውሃቡ ናይ ስደተኛታት ደብዳቤታት UNHCR፡ ዝወድቁሉ ዕለት ከም ዘይብሎምን ናይ፡ ኣብ መጻኢ፡ ካናዳ ንጉጅለ ሓሙሽተን ማሕበረሰብ ስፖንሰርሺፕን ዳግማይ ምስ እትኸፍቶ፡ ከም ኣካል ናይቲ ናይ ካናዳ ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ መመልከቲ ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤