ዳግመ-ምጥያስ ማለት ስደተኛታት ካብታ ዑቕባ ዝሓተቱላ ሃገር
ናብ ሳልሰይቲ ሃገር – ከም ስደተኛታት – ቀዋሚ መንበሪ ባያታ ብምሃብ ክትቅበሎም ዝተሰማምዐት ሃገር ምምራጽን ምስግጋርን እዩ
። ዓመታዊ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ካብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ስደተኛታት
ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ይረኽቡ።
መመላእታ መንገድታት ንሰድተኛታት ናብ ንኽትቅበሎም ዝተሳማመዐት ሳልሰይቲ ሃገር ሕጋዊ መእተውን ንነዊሑ እዋን ንኽጸንሑን ዕድል ዝፈጥሩ ስሩዓትን ውሑሳትን ኣጋባባት እዮም ። ስደተኛታት ንመመላእታ መንገድታት ዘለዎም ብቕዓት ካብ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ወጻኢ ኣብ ካልእ መዐቀኒታት (ከም
ማህሰይቶም ወይ ናይ ሓለዋ ድሌታት ናይቶም ስደተኛታት) ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ብቕዓቶም ወይ ኣቃውማ
ስድራቤቶም ዘጠቓልል እዩ።
መመላእታ/ተወሰኽቲ መንገድታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር ትምህርቲ ንምክትታል ምእታው ወይ ዕድላት ስራሕ ከጠቓልል ይኽእል። መስርሓት ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ሰብኣዊ ተቐባልነትን ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ መደባትን እውን ክኾኑ ዝኽእሉ ተመላላእቲ/ተወሰኽቲ መንገድታት እዮም
ንገለ ካብዞም መመላእታ/ተወሰኽቲ መንገድታት፡ ስደተኛታት ነዚ ሓበሬታ ባዕሎም ብቐጥታ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም፡ ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ወይ ሓበሬታ ኣየድልዮምን እዩ።
- ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ብሎኮታት ጠውቑ።