Visas – ቪዛ


እንታይ ዓይነት ቪዛ እዩ ዘለኒ፧

    • 2(a)(5) ኮንድሽናል ቪዛ – ሕቶ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታትኩም፡ መስርሕ ምዝገባ ንምፍጻም ኣብ ብነይ ብራክ ወይ ኣብ ኢላት (ከከምቲ እትነብሩሉ ከባቢ) ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም እትቐርቡሉ ዕለትን ሳዓትን ዝሓዘ መጸዋዕታ ቆጸራ ካብ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክላኣኸኩም/ክመጻእኩም እዩ ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈልየ ወረቐት 2(a)(5) ኮንድሽናል ቪዛ ክትዋሃቡ ኢኹም። እዚ ቪዛ ናይ ሕቶ ዑቕባኹም ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክሳብ ትቕበሉ በብእዋኑ ክሕደስ እዩ።

  • A/5(ኣሌፍ ኻመሽ) ቪዛ: ከም ስደተኛ ኣፍልጦ እንተረኺብኩም(ሕቶ ዑቕባኹም ተቐባልነት እንተ ረኺቡ) ወይ ሰብኣዊ ስታቱስ እንተ ተዋሂብኩም፡ ብመልክዕ ግዝያዊ ናይ እስራኤላዊ መንነት ካርድ A/5 ቪዛ(ኣሌፍ ኻመሽ) ክትቅበሉ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትዕደሙ ኢኹም።
    • A/5 (ኣሌፍ ኻመሽ) ቪዛ: ከም ስደተኛ ኣፍልጦ እንተረኺብኩም(ሕቶ ዑቕባኹም ተቐባልነት እንተ ረኺቡ) ወይ ሰብኣዊ ስታቱስ እንተ ተዋሂብኩም፡ ብመልክዕ ግዝያዊ ናይ እስራኤላዊ መንነት ካርድ A/5 ቪዛ(ኣሌፍ ኻመሽ) ክትቅበሉ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትዕደሙ ኢኹም።
    • A/5 ቪዛ (ኣሌፍ ኻመሽ) ሰብኣዊ ስታቱስ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቅድሚ ዕለቱ ምውዳቑ ንሓደ ዓመት ክሕደስ ኣለዎ። ዝኾነ ክፍተት ግዜ ምሕዳስ ቪዛ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ትካል መድሕን እስራኤል (ቢቱዋኽ ሎኡሚ) ንዘለኩም መሰላት ክጎድእ ይኽእል።
    • B/1 ቪዛ ንገለ ኣብ እስራኤል ግዝያዊ ጽላል ንዝረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ  ዜጋታት ዝተወሰና ሃገራት ዝኾኑ (ከም ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ዝተወሰኑ ጉጀለ ኤርትራውያንን) ዝወሃብ ናይ ስራሕ ቪዛ እዩ። እዚ ቪዛ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ንተወሳኺ 6 ኣዋርሕ ይሕደስ ።  B1 ቪዛ ሎሚ ንሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዝወሃብ ኣይኮነን።

ID card A5 VISA

  • ኣብ እስራኤል ንሕብረተሰብ ሓተቲ ዑቕባ ቀንዲ ክልተ ዓይነታት ቪዛ ኣለዉ፡ 2(a)(5) ኮንዲሽናል ቪዛን A(5)(ኣሌፍ ኻመሽ) ቪዛን።

Image of Temporary Working Permit also known as B1 Visa including a photo ID


ቪዛይ ኣበይ የሐድሶ፧

ቪዛኹም መጀመርታ ዝተዋህብክሙሉ  ቤት ጽሕፈት ክገልጽ ኣለዎ። ካልእ ጽሑፍ እንተ ዘይብሉ ቪዝኹም ኣብ’ቲ መጀመርታ ዝተዋሃብክሙሉ ቤት ጽሕፈት ክተሕድሱ ኣለኩም። እንተ ተንቃሳቒስኩም ንኢሚግረሽን ስዒቡ ብዘሎ ኢመይል ኣድራሻ ከም ዝቐየርኩም ክትሕብሩ ኣለኩም: [email protected] ከምኡ’ውን፡ A5(ኣሌፍ ኻመሽ) ቪዛ እንተሃልዩኩም፡ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ምሕዳስ ይካኣል።

ቪዛኹም ዕለቱ ከም ዘይወደቐ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ቪዛ ኣብ እስራኤል ንክትጸንሑን ክትነብሩን ሕጋዊ ፍቓድኩም እዩ ። ብዘይ ቪዛ ድማ ንናይ ኢሚግሬሽን ማእሰርቲ ሓደጋ ክትቃልዑ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ  ብወግዒ  እኳ እንተዘይተገልጸ እዚ ቪዛ እዚ ከም ናይ ስራሕ ፍቓድ ኮይኑ የገልግል እዩ ።

2(a)(5) ኮንድሽናል ቪዛ  ስዒቦም ኣብ ዘለዉ ክልተ ጨንፈራት ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕደሱ:

  • ብኔ ብራክ – ሚቭጻ ካዴሽ 64
  • ኤላት – ሃሙጻር 4

A/5 ቪዛ(ኣሌፍ ኻመሽ) ኣብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳይት ምሕዳስ ይካኣል። ቪዛኹም ሰለስተ ወርሒ ቅድሚ ዕለቱ ምውዳቑ ናብ ቤት ጽሕፈት ብምቕራብ ክሕደሰልኩም ክትሓቱ ይግባእ።

A/5 ቪዛ(ኣሌፍ ኻመሽ) ኣብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳይት ምሕዳስ ይካኣል። ቪዛኹም ሰለስተ ወርሒ ቅድሚ ዕለቱ ምውዳቑ ናብ ቤት ጽሕፈት ብምቕራብ ክሕደሰልኩም ክትሓቱ ይግባእ።

 


ቪዛይ ጠፊኡ ወይ ተሰሪቑ፡ ከመይ ጌረ ሓድሽ ቪዛ ክረክብ ይኽእል፧

ቪዛኹም ምስ ዝጠፍእ/ዝስረቕ ክትገብሩዎ ዘለኩም፤

1 ደረጃ፡ ናብ መደበር ፖሊስ ምሕባር።
2 ደረጃ፡ ሓድሽ ቪዛ ንምቕባል ናብ ከባቢኹም ዝርከብ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ምኻድ።

3 ደረጃ፡ ድሕሪ ምምልካት ኣብ ፖስታ ኦፊስ ብምኻድ 270 ሸከል ምኽፋል።
4 ደረጃ፡ ቅብሊት ብምሓዝ ናብቲ ልሙድ ቪዛ እተሐድሰሉ ቦታ ብምኻድ –ሓድሽ ቪዛ ክወሃበኩም እዩ።


ኣስራሕየይ ንቪዛይ ኣይርደኦን።

ኣስራሒኹም ቪዛኹም ንምርዳእ ምስ ዝኸብዶን ብሕጋዊ መንገዲ ክቖጽረኩም ይኽእል ዶ ኣይክእልን ዝብል ሕቶ ምስዝህሉዎ፣ መጀመርያ ከም ሓተትቲ  ዑቕባ ዘለኩም ስታቱስ ከተረድኡዎን ቪዛኹም ብሓቂ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከም ዝኾነ ክተፍልጡዎን ፈትኑ።

ሕጂ’ውን ዝኾነ ብድሆታት (ዕንቅፋት) እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ተወሳኺ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ ካቭ ላ’ኦቬድ ተወከሱ።.


ናብ ወጻኢ ሃገር በጺሐ ክምለስ ይኽእል ድየ፧

ሓተትቲ ዑቕባ 2(A)(5 ኮንድሽናል ቪዛ ዘለዎም ካብ እስራኤል ናብ ወጻኢ ሃገር በጺሖም ክምለሱ ኣይፍቀዶሙን።

ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ዝተዋህቦም(ሕቶ ዑቕበኦም ተቐባልነት ዝረኸበወይ ሰብኣዊ ስታቱስ (A5 ኣሌፍ ኻመሽ) ዝተዋህቦም ውልቀሰባት፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ እስራኤል ናይ መገሻ ሰነድን ተመሊሶም መእተዊ ቪዛን ክሓቱ ይኽእሉ። ሰብ ኮንድሽናል ቪዛ ናብ ካልእ ሃገር ንምስግጋር ትራቨል ደኲመንት ምስ ዘድልዮም ንክፍሊ ተሓጋጋዚ ወለንታዊ ምምላስ ስዒቡ ብዘሎ ኣድራሸኦም ይረኸቡዎ(እዚ ክፍሊ እዚ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝምልከት ትራቨል ደኲመንት ዝህቢ ክፍሊ እዩ፣ ዋላ እቲ ትራቨል ድኲመንት ናብ መበቆል ሃገር ብወለንታ ንምምላስ ዝዓለመ ኣይኹን)፤

ኣድራሻ: ጎደና ሚቭጻ ካዴሽ 64 ብኔ ብራክ

ኢመይል:  [email protected]

ቁጽሪ ቴለፎን: 074-7084906, 074-7084907, 074-7084908


ተዛማዲ ሓበሬታ፤