ተወሰኽቲ ሰነዳት

ይምርዖ ኣለኹ። እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

እንቋዕ ሓጎሰካ/ኪ! ኣብ እስራኤል ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ብሃይማኖታውያን ትካላት እዩ ዝወሃብ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወይ መስጊድ እንተኾይንኩም ክትምርዓዉ፡ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ካብታ ቤት ጾሎት ክትወስዱ ይግባእ። ዋላ እኳ ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ንኸም ምምዝጋብ ወረቐት ልደት ውላድኩም ዝኣመሰሉ ነገራት ክጠቅም ይኽእል እዩ። ኣብ ውሑስ ቦታ ምቕማጥ ኣረጋግጹ።

ሲቪላዊ መርዓ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ፡ ንትካል “ሓዳስ ስድራቤት” (ሚሽፓኻ ኻዳሻ) ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ንውላደይ ብኸመይ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ከውጽኣሉ ይኽእል፧

    • ኣብ ሆስፒታል ብሂወት ከም ዝተወልደ ዝሕብር ወረቐት ይወጽእ። ከም ልሙድ ኣብቲ ናይ ልደት ወረቐት ናይ ኣደ ስም ጥራይ እዩ ዝረአ። ስም ናይ ኣቦ ኣብ ወረቐት ልደት ንኽጻሓፍ ኣቦ ቆልዓ ኣብ ዝውለደሉ ግዜ ኣብ ሆስፒትላ ክህሉ ኣለዎ። ስሙ ድሒሩ ክውሰኽ ኣይካኣልን እዩ። ብኽብረትኩም ኣብ ክፍሊ ጥዕናና “ሰነዳት ልደት ህጻን” ራኣዩ ።
    • ብድሕሪኡ ካብ ሆስፒታል ዝተቐበልኩሞ ምስክር ወረቐትህያው ልድት ብምሓዝ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትከዱ ኣለኩም። ኣብኡ ድማ ናይ ቆልዓ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ክህቡኹም እዮም። ኣቦ ኣብ ግዜ ምውላድ ቆልዓ ኣብ ሆስፒታል እንተ ነይሩ እሞ ስሙ ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሃበኩም ከም ዝተወልደ ዝሕብር ወረቐት ምስ ዝጻሓፍ ኣብቲ ምስክር ወረቐት ልደት ቆልዓ እውን ስሙ ይህሉ።

ፍቓድ ምዝዋር መኪና(ማንጃ ፍቓድ)

A5 (ኣሌፍ ኻመሽ) ቪዛ ዘለዎም ናይ እስራኤል ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክውጽኡ ይኽእሉ እዮም። ኮንዲሽናል ቪዛ 2(A)(5) ዘለዎም ሓተቲ ዑቕባ ግን ከውጽኡ ኣይክእሉን እዮም። ብዛዕባ ምውሳድ ክልሰ-ሓሳብን ተግባራዊን ፈተናታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ብኽብረትኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ተወከሱ

ብኸመይ ብሕጋዊ መንገዲ ኤሌክትሪክ ብሽክለታ ወይ ኮርኲኔት ትዝውር፧

ካብ ነሓሰ 2024 ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ተሽከርካሪ (ብሽክለታ/ኮርኲኔት) ልክዕ ከም መካይን ግድን ታርጋ ክገበረለን ኣለዎ። ስለዚ ሕጂ ብሕጋዊ መንገዲ ኤሌክትሪክ ብሽክለታ ወይ ኮርኲኔት ንምዝዋር ክልተ ነገራት የድልዩ፤ ምውጻእ ፍቓድ ምዝዋር A3 (ንፍቓድ መዘወሪ መኪና ዘይብሎም) ከምኡ ድማ  ንብኤሌክትሪክ እትሰርሕ ተሽከርካሪት ቁጽሪ ታርጋ ምውጻእን።

ብዛዕባ ብኸመይ ኤለትሪክ ብሽክለታ ኮነ ኮርኲኔት ብሕጋዊ ኣጋባብ ምዝዋር ይካኣል ዝያዳ ሓበሬታ ብቋንቋታት( እንግሊሽ፣ ኢቭሪት፣ ዓረብን ትግርኛን) ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያ -ሓበሬታ ብዛዕባ ኤሌክትሪክ ብሽክለታን ኮርኩኔትን ምዝገባን ቅጥዕታትን ብቋንቋታት (ኢብራይስት፡እንግሊሽ፡ ዓረብ፡ ሩስያ፡ፈረስንሳን ስፓኛን)  ​ኣብዚ ኣለኩም

ሓገዝ ንምርካብ ብኽብረትኩም  ናብ ማሕበር ኣሳፍ ወይ ካልኦት ንስደተኛታት ዝሕግዙ ትካላት ተወከሱ ።.

ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ ንጥቀም፧

ብህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳትን ባቡራትን) ንምጉዓዝ ዝኾነ ሰብ ራቭ-ካቭ ዝበሃል ኣብ እስራኤል ከም ቀንዲ መኽፈሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጥቀሙሉ ስማርት ካርድ ምግዛእ የድሊ። ኣብ ኣውቶቡስ ምኽፋል ዝከኣል ራቭ-ካቭ ብምጥቃም ወይ ብዝተፈላለየ ኣፕሊኬሽናት ወይ ድማ ኣብ መደበር ባቡር ቻርች ብምግባር ጥራይ እዩ።

መተሓሳሰቢ፡ ካብ 5 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት 50% ቅናስ  ካብ ወጋ መጓዓዝያ ኣለዎም። እቶም ህጻናት ነቲ ቅናስ ንኽረኽቡ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ክምዝገቡ ከለዉ ዝተዋሃቦም ቁጽሪ መለለዪ መንነት ዝሓዘ ሰነድ ካብ ቤት ትምህርቶም ከቕርቡ ኣለዎም ።              ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብነጻ ይጓዓዙ።

ኣብዚ “መምርሒ ”  ብቋንቋታት (እንግሊሽ, ኢቭራይስት, ዓረብ ) ኣሎ

መርበብ ሓበሬታ ራቭ-ካቭ  ብቋንቋታት(እንግሊሽ, ኢቭራይስት, ዓረብ, ሩስያ)


ተዛማዲ ሓበሬታ፤