ህጹጽ ሕክምና ኩንውታት ኣለኒ፡ እንታይ ክገብር ኣለና፧
- ህጹጽ ምስ ዝኸውን ብቕጽበት ናብ ሆስፒታል ክትከዱ ወይ ድማ ብቁጽሪ 101 ብምብድዋል ኣምቡላንስ ክትጽውዑ ኣለኩም። ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ንሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ሕክምናዊ ኩነታትን ከበድቲ መጉዳእትን ኣጎልጉሎት ይህብ። ህጹጽ ኩነታት ከም መስበርቲ ኣዕጽምቲ፡ ከበድቲ መቑሰልቲ፡ ምምሏቅ መላግቦታት፡ መንቃዕቲ፡ ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ማሕነቕቲ፡ ወቕዒ ልቢ ወይ መጉዳእቲ ዓይኒ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ማህሰይቲ ከጣቓልል ይኽእል።ብመሰረት ሕጊ እስራኤል ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት፡ ዋላ ናይ ጥዕና መድሕን ዘይብሉም ሕሙማት ምሕካም ግዴታ እዩ። ህጻናት፡ ድሕሪ ህጹጽ ሕክምና ንሓኪም ህጻናትኩም ምሕባር ከድልየኩም እዩ።ብተወሳኺ፡ ልዑል ረስኒ ዘለዎም ህጻናት፡ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መገሻ ዝርከቡ ህጻናት፡ ወይ ዝኾነ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ዝተወስደ ሰብ፡ ድሕሪ ክንክን ምቕባሉ ክፍሊት ምኽፋል ኣየድልዮን።
ይኹን እምበር ሕሙማት ዝረኸብዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ነጻ ስለ ዘይኮኑ፡ እንተተኻኢሉ ነቲ ክፍሊት ወይ ዕዳ ካብ ጠቕላላ ወጻኢታት ወይ ክፍሊት ብምቕናስ ወይ ኣካፋፍል ብምግባር ብዝተኻእለ መጠን ክኸፍሉዎ ይምከር።
- ንህጻናት፡ ህጹጽ ኩነታት እንተዘይኮይኑ፡ ናብ *507 ናብ መስመር ሓገዝ ሎውሚት ደውሉ ( ብቋንቋታት እብራይስት፡ እንግሊሽ፡ ዓረብ፡ ሩስያን ፈረንሳን ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል)፡ ወይ ድማ ናብቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ጨንፈር ሎውሚት ብምኻድ ንሓኪም ህጻናት ተወከሱ።
- ምስ እትጣራጠሩ ወይ ሞያዊ ምኽሪ ኣብ እትደልዩሉ እዋንእዋን፡ ንሓካይም ሰብኣዊ መሰላት ተወከሱ።
ሕክምናዊ መድሕን(ኢንቹራንስ) የብለይን። ናበይ ክኸይድ ይኽእል፧ (ዓበይቲ)
-
- ኣብ ህጹጽን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኩነታት፡ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ካብ ምኻድ ድሕር ዘይምባል።
- ህጹጽ ኩነታት እንተዘይኮይኑን መድሕን ጥዕና እንተዘይብልኩምን፡ ዓቢ ኮነ ቆልዓ፡ ኣብ ሆሎን ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ቢኩሩፈ ብምኻድ ንነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ 40 ሸክል ብምኽፋል ክትራኣዩ ትኽእሉ ኢኹም። ቢኩሩፈ ንሕክምናዊ መድሕን ዘይብሎም ሓተትቲ ዑቕባ ከምኡ’ውን ንገለ ካልኦት ዜጋታት ዘይኮኑ ነበርቲ እስራኤል ብምኒስትሪ ጥዕና ዝምወል ክሊኒክ እዩ። እቲ ክሊኒክ መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ኮይኑ ገለ ክኢላታት ሕክምና እውን ኣለውዎ።
ኣድራሻ ቢኩሩፈ ኣብ ኾሎን:
ጎደና ሃሂስታድሩት 35 2ይ ደርቢ
ሳዓታት ስራሕ:
ሰምበት – ሓሙስ ካብ ሳዓት 08:00 – 20:00
ዓርቢ 08:00-14:00
ቁጽሪ ቴለፎን ክሊኒክ: 073-3244960
- ኣብ ሃይፋ ቨኣሃቭታ — ንዓበይትን ንቆልዑትን ሕክምናዊ ኣጎልጉሎት ዝህብ ወለንታዊ ክሊኒክ( ብቋንቋታት ኢቭራይስት፡ እንግሊሽ፡ ዓረብን ኣምሓርኛን ሓበሬታ ኣሎ)፥
- ክሊኒክ ተመሃሮ ኢየሩሳሌም – ለራዓኻ ከሞኻ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሃዳሳ ዓይን ካሬም፡ ሕክምናዊ መድሕን ዘይብሎም ሓተትቲ ዑቕባ ዝህብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ እዩ።.
- ክፉት ክሊንክ ሓካይም ንመሰል ደቂ ሰባት(ክሊኒክ ያፎ) — ኣብ ያፎ ዝርከብ ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ሰባት ክንክን ጥዕና ንዘይረኽቡ ሰባት ናይ ጥዕና ኣጎልጉሎት ዝህብ ክሊኒክ። ንጥፈታት እዛ ክሊንክ ኣብ ስደተኛታት ካብ ሕጽረት ምሃብ ኩሉ መዳያዊ ኣጎልጉሎት ትሩዋምን ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ዝምንጩ ጸገማት ጸገማት ንምልላይ የኽእል።
ኣድራሻ ክፉት ክሊኒክ:
ጎደና ባሩኽ ሳፒር ቴል ኣቪቭ ያፎ( ብግልባጥ ጎደና ድሮር 9)
ቁጽሪ ቴለፎን: 03-5133120
ሰዓታት ክሊኒክ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ሰንበት፡ ሰሉስ፡ ረቡዕ – ሳዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ
ኣብ ሎውሚት ናይ ጥዕና መድሕን ክገብር ዝፍቀደሉ መን እዩ፧
ዕድሚኦም 60 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዜጋታት ሱዳን፣ ኤርትራን ዩክሬንን ኣብ ወርሒ 320 ሸክል ብምኽፋል ንናይ ጥዕና መድሕን ኣብ ሎውሚት ክምዝገቡ ይኽእሉ።
መድሕን ጥዕና ንውላደይ እንታይ ይሽፍነሉ፧
- ኣብ ጨንፈራት ኣጎልጉሎት ጥዕና ሎውሚት ወይ ብሎውሚት ኣብ ዝውከሉ ኣጎልጉሎታት ጥዕና ሓኪም ምርኣይ/ምብጻሕ።
- ምስ ክኢላታት ምምኻር
- ከም መርመራ ደም፡ ራጂ፡ መርመራ ምስማዕን ዓይንን ዝኣመሰሉ መርመራታት
- ምጉዳል ዋጋ ዕድጊ መድሃኒት( መታሓሳሰቡ፥ ኣብ ገለ መድሃኒታት ከም ኩሎም እስራኤላውያን ውሑድ ተወሳኺ ክፍሊታት ይኽፈሎም)።
- ነጻ ኣጎልጉሎት ሕክምና ስኒ ክሳብ ክሊ ዕድመ 12 ዝርከቡ ህጻናት
- ምርመራን ክንክንን ጸገማት ዕብየት
- ኣብ ሆስፒታላት ዝግበር ሕክምናዊ ክንክናት፡ እንኮላይ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስን መጥባሕትን
- ገለ ኣገልግሎታት ተወሳኺ ክፍሊት ይድልዮም እዩ
ውላደይ ኣብ እስራኤል ተወሊዱ፣ ናይ መድሕን ጥዕና ኣገልጉሎት ክረክብ ይኽእል ዶ፧
ኤርትራውያን፣ ሱዳናውያንን ዩክሬናውያንን ህጻናት ኣብ እስራኤል ተወሊዶም ቅድሚ ዕድመ 6 ወርሒ ናይ ጥዕና ድሕነት ዝተገብረሎም ህጻናት፣ እታ ኣደ ቅድሚ ቆልዓ ምውላዱ ን6 ወርሒ ኣብ እስራኤል ክሳብ ዝጸንሐት ካብ ዝተመዝገብሉ ዕለት ጀሚሩ ምሉእ ሕክምናዊ ሽፋን ይረኽቡ።
ብተወሳኺ ኩሎም ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናትን ኣዴታቶምን ካብ ማእከል ክንክን ስድራቤት ሚኒስትሪ ጥዕና ብነጻ ኣገልግሎትን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ።ሞያውያን ሰራሕተኛታቶም ኣብ ህዝባዊ ጥዕና ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ነርስትን ሓካይምን ዘጣቓለለ እዩ። ገለ ማእከላት ክንክን ስድራቤት ኣብ ካልእ መዳያት ከም ኣመጋግባ፡ ክታበት፡ ምክትታል ዕብየትን ምዕባለን፡ ጥዑይ ኣነባብራን ምኽርን ንወለዲ ሞያዊ ሓገዝ፡ ትምህርትን መምርሕን ይህባ።
ውላደይ ካብ እስራኤል ወጻኢ ተወሊዱ፣ ኣጎልጉሎት መድሕን ጥዕና ክረክብ ይኽእል ዶ፧
ንሓደስቲ ምዝገባ፡ ዜግነት ኤርትራ፡ ሱዳንን ዩክሬንን ዘለዎም ህጻናት ጥራይ እዮም ካብ መድሕን ጥዕና ኣጎልጉሎት ተገልገልቲ ክኾኑ ዝኽእሉ። ካብዞም ዝተጠቕሱ እንተኾንኩም እሞ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ እስራኤል ዝኣተኹም ምስ እትኾኑ፣ ወይ ውላድኩም ቅድሚ ሕጂ መድሕን ጥዕና ምስ ዘይነበሮ – ኣብ እዋን ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝበጽሕ ኣጋባባዊ ምጽባይ ግዜ ውላድኩም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥራይ ክቕበል ይኽእል ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ውላድኩም ናይ መድሕን ጥዕና ወርሓዊ ክፍሊት ክትከፍሉ ኣለኩም።
መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ፣ መጥባሕቲ ወይ ናይ ክኢላታት ምኽሪ ዘጠቓልል ኣይኮነን።ይኹን እምበር ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምብጻሕ ምስ መሰረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝተጣቓለለ እዩ ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ህጻን ምሉእ ናይ ሕክምና ሽፋን ይረክብ።
ክፍሊት ናይ መድሕን ጥዕና ንዓበይቲ መን ይኸፍሎ፧
ብቆዋሚ ተቖጺርኩም ትሰርሑ እንተኾይንኩም፡ ኣስራሒኹም ናይ ጥዕና መድሕን ክገብረልኩም ይግደድ። ብዛዕባ ብኣስራሒኹም ዝግበረልኩም መድሕን ጥዕና ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኹም ንካቭ ለኦቬድ ተወከሱ።
ኣብ መንጎ ክሊ ዕድመ 18- 60 ምስ እትህሉዉ እሞ ስራሕ ዘይትሰርሑ ምስ እትኾኑ፣ ናይ ብሕቲ መድሕን ጥዕና ጥራይ ኢኹም ክትዕድጉ ትኽእሉ። እዚ መድሕን ጥዕና እዚ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ኩነታት ጥዕና፡ ወይ ቅድሚ መድሕን ጥዕና ምግባርኩም ዝተፈለጡ ሕዱር ናይ ጥዕና ጉዳያት ከምዘይሽፍን ኣስተውዕሉ። ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ንሓካይም ሰብኣዊ መሰላት ምውካስ ይካኣል።
ጭንቀት ይስምዓኒ፡ ድቃስ ስኢነ፡ ሕልሚ ቀትሪ ይሓልምኒ ኣሎ፡ ናብ መን ክቐርብ ኣለኒ፧
-
- ናይ ሓባር ጸገማትኩም ብምዝታይ ንሓድሕድኩም ንምድግጋፍ ወይ ንምቕጻል ብስሩዕ ምስ ካልኦት ብጉጅለ ክትራኸቡሎም እትኽእሉ ትካላት ብዙሓት እዮም።
- ኣሳፍ ንዝተፈላለዩ ፣ ከም ንጽል ኣዴታት፣ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ስቅያትን፣ ስንኩላን፣ መንእሰያትን ካልኦትን ዝርከብዎም ጉጅለታት ሓገዝን ደገፍን ይህብ። ንዝያዳ ሓበሬታን ናብ ክሊኒካት ጥዕና ኣእምሮ ንዝግበር ሪፈራልን ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ምብጻሕ ይካኣል ።
ናይ ኤችኣይቪን ካልእ ብጾታዊ ርክባት ዝማሓላለፍ ሕማማትን መርመራ ኣበይ ክገብር ይኽእል፧
እዚ መርመራ ኣብ ማእከላት መርመራ ሓይሊ ዕማም ኤይድስ እስራኤል፡ ኣብ ማእከላት ኣይድስ ኣብ ሆስፒታል ክግበር ይምረጽ። ኣብ ተልኣቪቭን ቤርሸቫን ኣብ ዝርከባ ማእከላት መርመራ ሓይሊ ዕማም ኤይድስ እስራኤል፡ መርመራ ብሱቱር መንነት ይግበር። መለለዪ መንነት ወረቐት ምቕራብ ኣየድልን። እቲ መስርሕ ብምሉእ ብስቱርን ብዘይ ምቕዳሕን/ሪኮርድ ብዘይምግባርን ይካየድ።
ቁጽሪ ቴለፎን፡ 03-561-3300
ዝኽፈተሉ ሳዓታት:
ሰምበት, ሶኑይን ሶሉስን 16:00 – 19:00
ሮቡዕ 12:00 – 16:00
ሓሙስ 10:00 – 13:00
ዝርከብሉ ዝርዝር ሓበሬታ:
ኣድራሻ: ልቪንስኪ 108 ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ኣውቶቡስ 5ይ ደርቢ( )ኣብ ልዕሊ መሰመራት ኤገድ 4ን 5ን (
ናይ መቐበሊ ኣጋይሽ ቆጸራታት ምሓዝ: 03-5373738 (ብኽብረትኩም ኣብ ክፉት ሰዓታት ጥራይ ደውሉ)
ውዑይ መስመር ንምኽሪ ብጾታዊ ርክብ ዝማሓላለፉ ሕማማትን ኤችኣይቪን:
03-7919704, ዝኽፈተሉ እዋናት:
ሶኑይን ሶሉስን: 14:00 – 19:00
ኢመይል: [email protected]
ሌቪንስኪ ተንቀሳቓሲ ክሊኒክ ኣብ ቤርሸቫ:
ኣድራሻ: ጎደና ፒንኻስ ኾጼቭ 14
ቁጽሪ ቴለፎን: 050-6242722
ሌቪንስኪ ተንቀሳቓሲ ክሊኒክ ኣብ እዮርሳሌም:
ቴለፎን ደዊልካ ቆጸራ ምሓዝ የድሊ
ቁጽሪ ቴለፎን:: 050-9095682
ፐርሳውያን ክሊኒክ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን መርመራ ኤችኣይቪን ኣብ ሃይፋ:
ኣድራሻ: ጎደና ሃፕርሲም 15 ሃይፋ
ቁጽሪ ቴለፎን: 04-8619719
ብኣካል ንምምጻእ ኣቐዲምካ ብዋትስኣፕ 058-4619719 ቆጸር ክግበር ኣለዎ።
ዝኽፈተሉ ሳዓታት:
ሰምበትን ሮቡዕን: 9:00-12:30
ሶኑይን ሶሉስን: 15:00-18:30
ውጥን ስድራቤትን ድሕነትን
ውሑስን ወለንታዊን ውጥን ስድራቤት ምርካብ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ውጥን ስድራቤት ኣብ ምዕቃብ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ቀንዲ ሮቛሒ ኮይኑ፡ ድኽነት ኣብ ምቕናስ እውን ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ውጥን ስድራቤት ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ምቁጽጻር ጥንስን ካልኦት ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ዝምልከት ሓበሬታ የጠቓልል።
ውጥን ስድራቤት ኣብ ቴል ኣቪቭ
- ሓኪም ደቂ ኣንስትዮ ንምርኣይ፡ ብዛዕባ ውጥን ስድራቤት ምኽሪ ንምርካብን መካላኸሊ ጥንሲ ንምውሳድን ናብ ክሊኒክ ሓካይም ሰብኣዊ መሰላት ብጽሒ።
Family planning in Jerusalem
- ማሕበር LADAAT– ኣገልጉሎት መከላኸሊ ጥንሲ፣ ምንጻል ጥንሲን ጥዕና ምፍራይን ብቋንቋታት (እንግሊሽን ኢብራይትስን) ነጻ ምኽሪ ይህብ።
- LADAAT has free counselling on contraceptives, abortions and reproductive health.