ዳግመ-ምጥያስን ካለኦት ተወሰኽቲ መንገድታትን



ዳግመ-ምጥያስ ማለት ስደተኛታት ካብታ ዑቕባ ዝሓተቱላ ሃገር
ናብ ሳልሰይቲ ሃገር – ከም ስደተኛታት – ቀዋሚ መንበሪ ባያታ ብምሃብ ክትቅበሎም ዝተሰማምዐት ሃገር ምምራጽን ምስግጋርን እዩ
ዓመታዊ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ካብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ  ስደተኛታት 
ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ይረኽቡ።




መመላእታ መንገድታት ንሰድተኛታት ናብ ንኽትቅበሎም ዝተሳማመዐት ሳልሰይቲ ሃገር ሕጋዊ መእተውን ንነዊሑ እዋን ንኽጸንሑን ዕድል ዝፈጥሩ ስሩዓትን ውሑሳትን ኣጋባባት እዮም ። ስደተኛታት ንመመላእታ መንገድታት ዘለዎም ብቕዓት ካብ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ወጻኢ ኣብ ካልእ መዐቀኒታት (ከም
ማህሰይቶም ወይ ናይ ሓለዋ ድሌታት ናይቶም ስደተኛታት) ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ብቕዓቶም ወይ ኣቃውማ
ስድራቤቶም ዘጠቓልል እዩ።

መመላእታ/ተወሰኽቲ መንገድታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር ትምህርቲ ንምክትታል ምእታው ወይ ዕድላት ስራሕ ከጠቓልል ይኽእል። መስርሓት ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ሰብኣዊ ተቐባልነትን ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ መደባትን እውን ክኾኑ ዝኽእሉ ተመላላእቲ/ተወሰኽቲ መንገድታት እዮም

ንገለ ካብዞም መመላእታ/ተወሰኽቲ መንገድታት፡ ስደተኛታት ነዚ ሓበሬታ ባዕሎም ብቐጥታ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም፡ ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ወይ ሓበሬታ ኣየድልዮምን እዩ።


  • ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ብሎኮታት ጠውቑ።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤