መሰል ሰራሕተኛታት


ካቭ ለኦቬድ ትኽክለኛ መጠን ገንዘብ ትኽፈሉ ከም ዘለኹም ንምርግጋጽ ​​ንመሰላት ስራሕተኛ ኣብ ምጥባቕን ክሕግዝ ይኽእል። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ኣብ ብዝተፋላለየ ቋንቋታት ብካቭ ለኦቬድ ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ ይርከብ።


ኮሚሽነር መሰላት ሰራሕ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ቁጠባን ኢንዱስትሪን ኣብ ሓያሎ ምስ መሰላት ሰራሕተኛታት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ይህብ፤ ሕጋውነት ናይቲ ሰራሕተኛ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ስም ወይ መንነት ዘይገልጽ ሕቶታት ዋላ ተቐባልነት ኣለዎ።



ከም ናይ ስራሕ መጉዳእቲ ዝቑጸር እንታይ እዩ

    • ኣብ ሰዓታት ስራሕ ወይ ካብን ናብን ስራሕ ኣብ እትኸደሉ እዋን ምስ ትጉዳእ

    • ብሰንኪ እቲ መጉዳእቲ ናብ ስራሕ ምምለስ ምስ ዘይካኣል

ናይ ስራሕ መጉዳእቲ ምስ ዝህልወኩም  ወጻኢታት ሕክምና ናይዚ መጉዳእቲ ብሃገራዊ መድሕን (ቢቱዋኽ ሎውሚ) ይሽፈን። ከም ሰራሕተኛ መሰላትካ ንምርካብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ምኽታል ኣገዳሲ ይኸውን ። ንዝያዳ ሓበሬታ ካቭ ለኦቬድ ተወከሱ ።

ናይ ስራሕ ሓደጋ ኣጋጢሙኒ እሞ ስምዒታዊ/ስነ ኣእሙራዊ ደገፍ የድልየኒ

 

ስንክልና ምስ ዝህልወኩምን ክትሰርሑ ምስ ዘይትኽእሉን እሞ ነቲ ዘለኹም ሓዱሽ ኩነታት ንምብዳህ ስምዒታዊ ደግፍ ምስ እትደልዩ ኣብ ሳዓታት ምቕባል ኣጋይሽ ናብ ኣሳፍ ተወከሱ።

 

መሰላተይ እንታይ እዮም፧


ሰራሕተኛታት እዞም ስዒቦም ዘለው መሰላት ኣለዉዎም:

  • ሰሙናዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ (ኣብ ሰሙን 36 ቀጻሊ ሰዓታት ዕረፍቲ)፣
  • ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ በዓላት፡ ዕረፍቲ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕማም ክፍሊት።
  • ናይ ወሊድ ዕረፍቲ/ ድሕሪ ሕርሲ
  • መድሕን ጥዕና(ኢንቹራንስ)

ንዝያዳ ሓበሬታን ምሉእ ዝግብኣኩም መሰል ትረኽቡ ከምዘለኹም ንምርግጋጽን፡ ን

ኣብ ስራሕ ቦታ ጾታዊ ትንኮሳ ወይ ግህሰት የጋጥመኒ ኣሎ።


ጾታዊ መጥቃዕትን ጾታዊ ትንኮሳን ብመሰረት ሕጊ እስራኤል ዘይሕጋዊ እዩ ። እዚ ድማ ንሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ስለዝኣበየ ካብ ስራሕ ናይ ምብራር ምፍርራሕ፡ ዘይቁቡል መጥቃዕቲ ወይ ጾታዊ ባህሪ ዘለዎ ዕድመ ምቕራብ የጠቓልል። ዝኾነ ኣብ ስራሕ ቦታ ወይ ብመሳርሕቱ ዝተበደለ ሰራሕተኛ ንሓገዝ ንካቭ ለኦቬድ ክውከስ ይኽእል።

ደሞወዝ ኣይተኸፈልኩን፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧


1. መጀመርታ፡ ብውዕል ወይ ዕለታዊ ሰራሕተኛ ምስ እትኾኑ ፡ ኣስራሒኹም መን ምዃኑ ምፍላጥኩም ኣረጋግጹ፡ እንተላይ ስም ትካልን ቀጥታዊ ተቖጻጻሪ ስራሕን(ሓላፊ) ።

2. ካልኣይ፡ ንሓላፊኽም ክፍሊትኹም ብወግዒ ዝሓትት መልእኽቲ ስደዱ። እዚ ከም ዝገበርኩም መርትዖ ክህልወኩም ድማ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ኢመይል ወይ ዝተቐድሐ ዝርርብ ቴለፎን ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ እዚ ኣስራሒኹም እንተዘይከፊሉኩም ንካቭ ለኦቬድ ተወከሱ ።

ኣሰራሕየም ምዃኑ ብኸመይ እፈልጥ፧

ናይ ጽሑፍ መዝገብ ምህላው፡ ኣስራሒኻ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ዝበለጸ መገዲ እዩ።

ኣብ ህንጸት ትሰርሑ እንተሃሊኹም  ስእሊ ምልክታት/ታቤላታት ውሰዱ። ኣብ ቤት መግቢ ወይ ሱፐርማርኬት ትሰርሑ እንተ ኮይንኩም ካብቲ ትካል ቅብሊት ውሰዱ።

ስም ናይቲ ኣስራሒ ኣብዞም ሰነዳት/ወረቓቕቲ ክህሉ ኣለዎ ።


⬅️ ናብ ሓገዝ ኣበይ ምርካብ ይካኣል፧  ተመለስ

ተዛማዲ ሓበሬታ፤