ኣብ እስራኤል መን ዑቕባ ክሓትት ይኽእል፧

ብሰንኪ ምስዳድ ወይ ካልእ ከቢድ ሓደጋ ህይወትካ/ኪ ወይ ናጽነትካ/ኪ ካብ ዓድኻ/ኺ ምስ እትወጺ/ጽእ እሞ ናብ ሃገርካ/ኪ ክትምለሱ ምስ ዘይትኽእሉ ወይ ዘይትደልዩ ኣብ እስራኤል ዑቕባ ብምሕታት ኣህጉራዊ ጽላል ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ብመኽንያት ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምናዊ ክንክን ወይ ካልእ ምስ ስደተኛታት ዘይኣሳሰሩ ጉዳያት ናብ እስራኤል ክመጹ ወይ ኣብ እስራኤል ጻንሒቶም ከናውሑ ዝደልዩ ሰባት፡ ዝዓለመ ኣይኮነን።

ኣብ እስራኤል ድሕሪ ዑቕባ ምሕታተይ እንታይ እዩ ዝኸውን፧

ዑቕባ ዘድልየኩም እንተኾይኑን ኣብ እስራኤል ዑቕባ እንተ ሓቲትኩምን ንሕቶ ዑቕባኹም መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ትቕበሉ ካብ ምስጓግ ውሑሳት ትኾኑ። ሕቶ ዑቕባኹም ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ወይ ከም ስደተኛ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህብ ወይ ሰብኣዊ ወረቐት ዝህብ ኣፍልጦ ደብዳበ ይመጸኩም።

ኣብ እስራኤል ዑቕባ/ስደተኛነት ሕቶ መዓስ ከመልክት ኣለኒ፧

ዑቕባ ንምሕታት ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ እስራኤል ምስ ኣተኹም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምስ ኩሎም ኣባላት ስድራቤትኩም ሓቢርኩም ሕቶ ዑቕባ ክተቕርቡ ትኽእሉ።

ብዘይ ፍቓድ ወይ ዝኾነ መንግስታዊ ሰነድ ፍቓድ ናብ እስራኤል እንተ ኣቲኹም ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ባዓል መዚ ክትቀርቡ ኣለኩም። ድሮ ኣብ እስራኤል እንተ ሃሊኹም እሞ ብሰንኪ ካብ ሃገርኩም ድሕሪ ምውጻእኩም ብዘጋጠመ ፍጻሜታት ብሰላም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ እንተዘይክኢልኩም እውን ዑቕባ ክትሓትት ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ እስራኤል ከመይ ጌረ ዑቕባ (ናይ ስደተኛ ወረቐ) ክሓትት ይኽእል፧

 

ካብ ሰነ 2020 ጀሚሩ ሕቶ ዑቕባ ብኢንተርነት እዩ ዝቐርብ ።

ኣብ ከም ጊቮን ወይ ያሃሎም ዝኣመሰለ ቤት ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን እንተሃሊኹም፡ ነቲ ንወኪል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትሕቶ ዑቕባ ክትሓቱሉ እትኽእሉ ኣጋባብ ክፈጥርልኩምን ሕተቱዎም።.

ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፥ ብመሰረት ደንቢ/ሕጊ ዑቕባ ናብ እስራኤል ካብ እትኣትዉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዑቕባ ከተመልክቱ ኣለኩም።

ነዚ ክተማልኡ እንተ ዘይክኢልኩም፡ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ከድንጉየኩም ዝኻኣለ መኽንያት ብቑዕ መኽንያት ከተቕርቡ ክትግደዱ ኢኹም።

ብዛዕባ ምሕታት ዑቕባ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ኮነ ኣብ ምምላሕ ቅጥዒ ሕቶ ዑቕባ ሓገዝ ምስ እትደልዩ ኣብ ሆት ላይን ንስደተኛታት ኣብ እዋን ሳዓታት ምቕባል ኣጋይሽ ብምብጻሕ ክትውከሱ ትኽእሉ።

ኣነ በዓል ሓዳር እየ። በዓልቲ ቤተይ/በዓል ቤተይ እውን ናይ RSD ቅጥዒ መሊኡ ከቕርብ/ክተቕርብ ኣለዎ/ዋ፧

እወ። ነፍሲ ወከፍ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅጥዒ ከቕርብ ኣለዎ። ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!

ሕቶ ዑቕባ ንምሕታት ጠበቓ የድልየኒ ድዩ፧

ሕቶ ዑቕባ ንምሕታት ጠበቓ ኣየድልይን እዩ። ኣብ ኩሉ ደረጃታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ግን ብናይ ገዛእ ርእስኹም  ወጻኢታት ዝመረጽኩሞ ጠበቓ  ናይ ምግባር ምሰልኩም እዩ።

ካብ መታለልቲ ተጠንቀቑ

ንሓተቲ ዑቕባ ብኣዝዩ ልዑል ክፍሊት ናይ ስደተኛ ወረቐት ነውህብ ኢና ካብ ዝብሉ ናይ ሕጊ ትካላትን  ናይ ሓሶት ጠበቓታትን  ተጠንቀቑ። ብተወሳኺ ብብዙሕ ገንዘብ ፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካን ካልእን  ናይ ስራሕ ዕድላትን ናይ ምስግጋር ዕድላትን ቃል ካብ ዝኣተዉ ገበነኛታት ትካላት ምጥንቃቕ ይግባእ።

  • ህይወትኩም ኣብ ኢድ እዞም ጨካናት መታለልቲ ኣይተእቱዉ።.
  • ኣይትእመንዎም።
  • ግዳይ ምትላልታቶም ኣይትኹኑ።

RSD ፎርም ኣብ ምምላእ መን ክሕገዘኒ ይኽእል፧

ንሓተቲ ዑቕባ ነጻ ሕጋዊ ምኽርን ካልእ ዓይነት ሓገዛትን ደገፍን ብብዙሓት ዘይመንግስታውያን ትካላት ይወሃብ፣ እንተላይ ምስ UNHCR ብምትሕብባር ዝሰርሑን ካልኦት ሲቪላዊ ማሕበራት እስራኤልን።

ኣብ ተልኣቪቭ ወይ ኢየሩሳሌም እንተሃሊኹም፡ እዘን ዝስዕባ ትካላት ቅጥዒ RSD ክትመልኡ ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን።
ኣብ ቴል ኣቪቭ: ሆት ላይን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

ኣብ እዮርሳሌም: ማእከል ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ኢየሩሳሌም

RSD ፎርም መሊአ ኣእትየዮ፡ ሕጂ እንታይ እዩ ክኸውን፧

ፎርም RSD ምስ ኣእተኹም፡ መስርሕ ምዝገባ ንምፍጻም ኣብ ብነይ ብራክ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትበጽሑ እትኽእሉሉ ዕለትን ሰዓትን ዝሓዘ ናይ ቆጸራ መልእኽቲ ክመጽኣኩም እዩ።

ድሕሪ ምምዝጋብኩም፡ ብድሕሪኡ ኣብ ሎድ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት RSD  ኣብ ሕቶ ዑቕባኹም ውሳኔ ንምቕባል ንቃለ መሕትት ቆጸራ ክትወሃቡ ኢኹም።

ብዛዕባ መስርሕ RSD ዝያዳ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ ሰዓታት ምቕባል ሆት ላይን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣጋይሽ  ተወከሱ።

ኣብ እዋን ቃለ መሕትት RSD ካባይ እንታይ ትጽቢት ይግበር፧

ኣብ እዋን ቃለ መሕትት RSD ክትገብሩዎ ትጽቢት ዝግበረልኩም:

  • ምሉእ ብምሉእ ምትሕብባር
  • ብዝተኻእለኩም መጠን ሓቂ ምዝራብ
  • ዝኾነ ይኹን ንጥርዓንኩም ዝድግፍ ክህልወኩም ዝኽእል ሰነዳት ኣቕርቡ።ኣብ እዋን ቃለ መሕትእትብሉዎ ዝኾነ ይኹን ነገር ጥቡቕ ምስጢራዊ እዩ። ስለዚ ንኹሎም ሕቶታት ብዝርዝር መልሲ ክትህቡን ኩሉ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንጉዳይኩም ክተካፍሉን ትጽቢት ይግበር። መግለጺታትኩም ሓቅን ቅኑዕን ክኸውን ኣለዎ። ሓቂ ክትሓብኡ ወይ ናይ ሓሶት መግለጺታት ክትህቡ እንተፈቲንኩም ሕቶ ዑቕባኹም ክንጸግ ይኽእል እዩ።

ዝተወሰኑ ዘይትዝክሩዎም ነገራት እንተ ሃልዮም፡ ካብ ብግምት ትኽክለኛ ምንጋር ኣይዝክሮን እየ ምባል ይሓይሽ።

ንቃለ መሕትተይ እንታይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል፧

ኣብ እዋን ቃለ ምሕተትኩም ኣስተርጓሚ እንድሕር ደሊኹም ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ኣስተርጓሚ ክግበረልኩም ንባዓል መዚ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ኣስተርጓሚ ምስ ዘይትርድኡዎ ብቕጽበት ነቲ ቃለ መሕተት ዝገብር ባዓል መዚ ክትሕብሩዎ ኣለኩም።

ጾታ ቃለ መሕተት ዝገብረልኩም ዘገድሰኩም እንተ ኾይኑ ማለት ወዲ ወይ ጓል ምስ እትመርጹ፡ ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም። RSD ፎርም ኣብ እትመልኡሉ እዋን እንታይ ዓይነት ጾታ ከም እትመርጹ ምልክት ምግባርኩም ኣረጋግጹ።

ኣብ ግዜ ቃለ መሕትት RSD ዝኾነ ዘይምቹኡነት ምስ ዝስማዓኩም ነቲ ሓታቲ ክትነግሩዎ ይግባእ። ኣብ መንጎ ቃለ መሕተት

ዕረፍቲ ምሕታት እውንይካኣል እዩ።

ኣብ RSD ፎርም ዝሃብኩዎ ኣደራሻ/ቈጽሪ ቴለፎን ክቕይር ደልየ።

ኣብ RSD ፎርም ዘቐመጥኩሞ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ክትቅይሩ ምስ እትደልዩ፡ ንምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት(ኢሚግረሽን) ምርካብ የድሊ።

ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እዋናዊ ክትርከብሉ ትኽእሉ ሓበሬታኹም ምሕባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

 

በዚ ኢመይል እዚ መልእኽቲ ክትሰድሎም ትኽእሉ[email protected]

ከም ስደተኛ ኣፍልጦ እንተረኺበ እንታይ ይኸውን፧

ከም ስደተኛ ኣፍልጦ እንተረኺብኩም፡ ኣብ እስራኤል ግዝያዊ መንበሪ – A5 ቪዛ (ዓመታዊ ክሕደስ ኣለዎ)፡ ናይ ስራሕ ፍቓድን ከም ናይ ጥዕና መድሕንን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ደገፍን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምርካብ መሰል ፡ መሰል ምጥርናፍ ስድራቤት ይወሃበኩም፡ ከምኡ’ውን ናይ እስራኤል ናይ ጉዕዞ ሰነድ(ትራቨል ዶኲመንት)።

 

ሕቶ ዑቕባይ ተነጺጉ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ሕቶ ዑቕባኹም እንተ ተነጺጉ እሞ ምስ ውሳኔ ምንጻግ እንተ ዘይተሳማሚዕኩም፡ ማለት እንታይ መኽንያታዊ ኣይኮነን ኢልኩም እንተ ኣሚንኩም፡ ውሳኔ ካብ ዝተዋሃበሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 ማዓልታት ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለኩም።

እቲ ይግባይ ብእብራይስት ክቐርብ ኣለዎ፣ ጠበቓ (ዓቕሚ እንተሃልዩካ) ወይ ድማ እብራይስት ዝዛረብ ወኪል ክትቆጽሩ ኣትሪሩ ይምከር።

ዝያዳ ሓገዝን ምኽርን ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ሆት ላይን ንስደተኛታት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉ ስዒቦም ከም ዘለዉ ሰነዳትኩም ሒዝኩም ቅረቡ:

  • RSD ፎርም
  • ናይ ርጀክት ደብዳቤ
  • ናይ ቃለ መሕተት ጽሑፍ

ተዛማዲ ሓበሬታ፤