ጥንስን ሕርስን

ኣብ እዋን ጥንሰይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል ድየ፧

  • ኣብ እዋን ጥንስኺ ዝያዳ ሰፊሕ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ሆሎን ዝርከብ ክሊኒክ ቢኩሮፈ ምብጻሕ ይካኣል።
  • ኣብ ቲፓት ኻላቭ ወይ ቢኩሮፈ ቆጸራ ንምሓዝ ወይ ሓኪም ንምርኣይ ዝኾነ ብድሆታት ምስ ዘጋጥመኪ ፡ ኣብ ሰዓታት መቐበሊ ኣጋይሽ ናብ ሓካይም ሰብኣዊ መሰላት ብምድዋል ተወከሲ።ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላትኪ ከም ነፍሰጾርን ሓዳስ ኣደን ብቋንቋታት እንግሊሽ፣ ኢብራይስት፣ ዓርብን ትግርኛን ኣብዘን ወረቓቕቲ ይርከብ።

ቲፓት ኻልቭ እንታይ እዩ፧

ቲፓት ኻላቭ ብቋንቋ ኢብራይስት “ነጠብጣብ ጸባ” ማለት እዩ። ክሊኒካት ቲፓት ኻላቭ ንኣዴታትን ጥዑይ ዕብየት ህጻናትን ይድግፋ ። ሓበሬታ ብቋንቋታት ኢብራይስት እንግሊሽዓረብን ሩስያን ይርከብ።

እዘን ክሊኒካት እዚአን ድሕሪ ሕርሲ ክንክንን ምኽርን፡ ገምጋማት ዕብየትን ምዕባለን ሓደ ህጻን፤ ክታበት፤ ምኽሪ ኣተዓባብያ ህጻናትን ኣመጋግባን፡ ከምኡ’ውን ንሕሙማት ህጻናት ንምሕብሓብ ዝግበር ሪፈራል ይህባ።

ኩሉ ህጻን ካብ ልደቱ ክሳብ 6 ዓመቱ፡ ናብ ክሊኒካት ቲፓት ሃላቭ ብነጻ፡ ንኽታበትን መርመራ ዕብየትን ክኸይድ ይኽእል።.

ነርስ ንምርኣይ ነዊሕ መታን ከይትጽበዪቅድሚ ምኻድኪ ቆጸራ ክትሕዚ ኣለኪ።

ስዒቡ ኣብ ብዘሎ ኣጋባብ ቆጸራ ምሓዝ ይካኣል:

  • ክሊኒክ ቲፓት ኻላቭ ብኢንተርነት ( ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ብእብራይስት ጥራይ እዩ)
  • “ኮል ሃብሪዩት” ኣገልግሎት ቴለፎን *5400 ብቋንቋታት ኢብራይስት፣ ዓረብ፣ እንግሊሽ፣ ሩስያ፣ ፈረንሳ ኣምሓርኛን ተዳልዩ ኣሎ፣ ኣብ እትድውሉሉ እዋን፣ቋንቋኹም ንምምራጽ ነቲ ዝግበኦ ቁጽሪ ብምጽቃጥ ብትዕግስቲ ተጸበዩ።

ሓዳስ ኣደ እየ። ተወሳኺ ደገፍ ካበይ ክረክብ ይኽእል፧

መስመር ቴሌፎን ክንክን ጥዕና ስድራቤት (*5400 ደውሉ) ብዝተወሰነ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህብ: ብቋንቋ ኢብራይስት ኣብ ድሕሪ ቀትርን ምሸትን ዓርብን።

ኣብ መስመር ቴሌፎን ዝርከባ ነርሳት ኣብ ምኽሪ ምጥባው ጡብ ኣደ፡ ድቃስን ኣመጋግባን ዝነጥፋ ኮይነን፡ ቨርቹዋል ደገፍ ወይ ምስ ዝያዳ ጸጋታት ምትእስሳር ክህባ ይኽእላ።.

ማእከል ኣጎልጉሎት ቴለፎን እንታይ ክሕግዘኒ፧

ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ውላድኪ ካብ ዝውለድ ክሳብ ወዲ 6 ዓመት ኣብ ምእላይ ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፣ ንኣብነት:

  • ድሕሪ ክታበት ዘስዕቡ ጎናዊ ሳዕቤናት
  • ዕቤት
  • ምጥባው ጡብ ኣደ
  • ምብካይ
  • ናይ ምድቃስ ጸገማት

ብዛዕባ መስመር ቴሌፎን ክንክን ጥዕና ስድራቤት ዝያዳ ፍለጡ።

ድሕሪ ምውላደይ/ምሕራስ እንታይ እዩ መሰለይ፧

ዝኾነት ሰብ ናይ ምኽፋል ዓቕማ ብዘየገድስ ኣብ ሆስፒታል ክትሓርስ ትኽእል እያ

ነፍሲ ወከፍ ቅድሚ ሕርሳ ኣብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሰርሐት ሰራሕተኛ ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ 15 ሰሙናት ዕረፍቲ ብኽፍሊት እንተደልያ ድማ ተወሳኺ ናይ 14 ሰሙን ብዘይ ደሞዝ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለዋ።.

ሰነድ ልደት ህጻን

ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ክምዝገብን ካብ ኢሚግሬሽንን (ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት) ምስክር ወረቐት ልደት ክረክብን መሰል ኣለዎ። ኣብ ዝሓረስክሉ ሆስፒታል ኣብ እትጸንሑሉ እዋን፡ ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ክትምዝግቡዎ  ይግባእ። ንሓድሽ ህጻንኪ ክልተ ሰነዳት ልደት ክትዋሃቢ ኣለኪ – ሓደ ካብ ሆስፒታል ሓደ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት(ኢሚግረሽን)። ካብ ሆስፒታል ቅድሚ ምውጻእኪ እዞም ዝተጠቕሱ ሰነዳት ከም ዝተቐበልክን ህጻንኪ ብመንግስቲ ክምዝገብ ምዃኑ ክተራጋግጽን ኣለኪ።

ህያው ምስክር ወረቐት ልደት/ሕርሲ

  • ንመጻምድትኺ ኮነ ንዓኺ ኣብ እስራኤል ዘለኩም ሕጋዊ ወረቐት ብዘየገድስ እቲ ሆስፒታል ንሓድሽ ዝተወልደ ህጻንኪ፡ ናይ ህያው ልደት ሰነድ ከህበኪ እዩ።
  • ኣብቲ ካብ ሆስፒታል ዝዋሃብ ህያው ምስክር ወረቐት ልደት ሰም ኣቦ ንምምዝጋብ፣ ኣቦ ህጻና ኣብ ዝውለደሉ ግዜ፡ ህጻን ምስ እተወለደ ድሕሪ ዘለዉ ማዓልታትን ኣብ እዋን ምምዝጋብ ህጻንን ኣቦ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ ከም ዘለዎ ብጥብቂ ይምከር። ሓንሳብ ድሕሪ ምምዝጋብ ድሕሪኡ ስም ኣቦ ምውሳኽ ኣይካኣልን እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ዘይተደለየ ሽግራትወይ ሕልኽላኻት ክፈጥር ይኽእል።
  • ክልቲኦም ወለዲ ህጻን ኣብ ሆስፒታል ክምዝግቡ ከለዉ፡ ቪዛን ካልእ ዝኾነ ወግዓዊ መለለዪ ሰነዳትን ከም ቪዛ፡ ፓስፖርት፡ ሃይማኖታዊ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት (እንተሃልዩ)፡ ናብ ጸሓፊ ሆስፒታል/መቐበሊ ኣጋይሽ ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ። ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ምስ ዘይህሉ፡ ኣቦ ኣብ ግዜ ምዝገባ ቪዝኡ ሒዙ ብምቕራብ ” ኣቦየ ይብል ኣሎ ወይ ኣቦነት ይሓትት” ብምባል ክምዝገብ ይካኣል።

ህያው ምስክር ወረቐት ልደት/ሕርሲ

  • ንመጻምድትኺ ኮነ ንዓኺ ኣብ እስራኤል ዘለኩም ሕጋዊ ወረቐት ብዘየገድስ እቲ ሆስፒታል ንሓድሽ ዝተወልደ ህጻንኪ፡ ናይ ህያው ልደት ሰነድ ከህበኪ እዩ።
  • ኣብቲ ካብ ሆስፒታል ዝዋሃብ ህያው ምስክር ወረቐት ልደት ሰም ኣቦ ንምምዝጋብ፣ ኣቦ ህጻና ኣብ ዝውለደሉ ግዜ፡ ህጻን ምስ እተወለደ ድሕሪ ዘለዉ ማዓልታትን ኣብ እዋን ምምዝጋብ ህጻንን ኣቦ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ ከም ዘለዎ ብጥብቂ ይምከር። ሓንሳብ ድሕሪ ምምዝጋብ ድሕሪኡ ስም ኣቦ ምውሳኽ ኣይካኣልን እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ዘይተደለየ ሽግራትወይ ሕልኽላኻት ክፈጥር ይኽእል።
  • ክልቲኦም ወለዲ ህጻን ኣብ ሆስፒታል ክምዝግቡ ከለዉ፡ ቪዛን ካልእ ዝኾነ ወግዓዊ መለለዪ ሰነዳትን ከም ቪዛ፡ ፓስፖርት፡ ሃይማኖታዊ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት (እንተሃልዩ)፡ ናብ ጸሓፊ ሆስፒታል/መቐበሊ ኣጋይሽ ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ። ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ምስ ዘይህሉ፡ ኣቦ ኣብ ግዜ ምዝገባ ቪዝኡ ሒዙ ብምቕራብ ” ኣቦየ ይብል ኣሎ ወይ ኣቦነት ይሓትት” ብምባል ክምዝገብ ይካኣል።

ድሕሪ ሕርሲ ጥዕናዊ መርመራ ንምግባር ኣበይ ክኸይድ ይኽእል፧

 

  • ንኣደ –  ህጻን ምስ ወለድኪ፡ እቲ ሆስፒታል ንክትትል መርመራ ጥዕና፡ ናብ ቲፓት ኻላቭ ክሰደኪ እዩ። ኣስተውዕሊ፡ ኣጎልጉሎት ኣትረኽብሉ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ቲፓት ኻላቭ ጥራይ እዩ። ውዕል ስምምዕ ክራይ ናይ ዝተኻረኽሞ ገዛ ወይ ካልእ ኣድራሻኪ ዘለዎ ወግዓዊ ሰነድ ሒዝኪ ምጺ።
  • ንህጻንውላድኪ ክሳብ ዘይሓመመ ፣ ናብ ሓኪም ህጻናት ምውሳድ ኣየድልዮን እዩ።ኣብ ቲፓት ኻላቭ ነርሳት ኩሉ ዘድሊ ሕክምናዊ ኮነ ጥዕናዊ መርመራታት ክገብራሉ እየን። ከምኡ እውን ንህጻንኪ ክተበት ኮነ መድሃኒት ይህቡ። ካብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ዩክሬንን ምስ እትኾኒ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ብቑልጡፍ ኣብ ኩፓት ኾሊም ሎውሚት ናይ ጥዕና ኢንቹራንስ ክትምዝግብዮ ብጥብቂ ንላቦ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ።
  • ኣጎልጉሎት ቲፓት ኻላቭ ኣብ ምርካብ ዝኾነ ጸገም ምስ ዘጋጥመኪ፣ ብኽብረትኪ ንሓካይም ንመሰል ደቂ ሰባት(PHR) ተወከሲ።

ንውላደይ ኣብ ሌውሚት ንመድሕን( ጥዕና ክምዝግቦ ድየ ዘለኒ፧

እወ! ንህጻንኩም ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ መድሕን ጥዕና ሌውሚት ክትምዝግቡ ኣጥቢቕና ንመክር።

ውላድኩም ድሕሪ ምውላዱ ሕክምናዊ ክንክን ወይ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ እንተድኣ ኣድልይዎ፡ እሞ ናይ ጥዕና መድሕን እንተዘይብሉ ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ህጻን ካብ ዝውለድ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ንመድሕ ጥዕና ምምዝጋብ ብዙሕ ምድንጓያት ክፈጥር ይኽእል። ህጻንኩም ኣብ ንከባቢኹም ዝቐረበ ጨንፈር ሎውሚት ምምዝገብ ይካኣል።:

ንዝርዝር ሓበሬታ ናብ *507 ደውሉ ወይ ድማ ናብቲ ዝቐረበኩም ክሊኒክ ተወከሱ – ሓበሬታ ብቋንቋታት፡ እብራይስት፡ ​​እንግሊሽ፡ ዓረብ፡ ሩስያን ፈረንሳን ይርከብ።


⬅️ ናብ ሓገዝ ኣበይ ምርካብ ይካኣል፧  ተመለስ

ተዛማዲ ሓበሬታ፤