መሰላትን ጉቡኣትን – ሓተቲ ዑቕባ

መሰላት

  • ሕቶ ዑቕባኹም ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ናብ መበቆል ሃገርኩም  ናይ ዘይምስጓግ መሰል ኣለኩም። ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሂወቶም ንሓደጋ እትቃላዓሉ ወይ ኣካላቶም ክጉድኡሉ ዝኽእሉ ሃገር ወይ ግዝኣት ምምላስ  ኮነ ምስጓግ ኣይካኣልን።
  • ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም።ኣብ እስራኤል ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሑ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ፡ ሕጋዊ ባይታ ወለዶም ብዘየገድስ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናት/ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ግዴታ እዩ። ንውላድካ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይምስዳድ ሕጊ እስራኤል ምጥሕስ ማለት እዩ።
  • ናይ 2(א)(5) ቅድመ ኩነት ዘለዎ ናይ ምፍታሕ ቪዛ ኣብ ሕቶ ዑቕባ ውሳነ ኣብ ዝጽበየሉ እዋን ናይ ምጸናሕን ምሰራሕን መሰል ይህብ። ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዘይኮኑ፡ መሰል ስራሕ ድሕሪ’ቲ ናብ እስራኤል ካብ ዝኣተውሉ ቀዳማይ ዓመት ዑቕባ እንተሓቲቶም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ካብ ዝመጻእሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት  ዑቕባ ምስ ዝሓቱ ድማ ናይ ሰለስተ ወርሒ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ናይ ምጽባይ ግዜ  ይግደዱ። ኣብ ቅድሚ ዑቕባ ምሕታት ኣብ እስራኤል ዝጸንሕሊ ግዜ ዝተሞርኮስ ይኸውን.
  • ስራሕ ዝሰርሑ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ጥዕና መድሕን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ስራሕ ዘይሰርሕ ወይ ተቖጺሩ ዘይስርሕ እውን ኣብ ሆስፒታላት ኣጎልጉሎት ህጹጽ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ።

ጉቡኣት

ከም ሓታቲ ዑቕባ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለውኹም፡ ይኹን እምበር ኣብታ ትነብሩላ ሃገር ሓላፍነት እውን ኣለኩም።

  • ንኹሉ ሕግታት እስራኤል ምምእዛዝን ምኽባርን ፡ ከምኡ’ውን መሰል፡ እምነትን ርእይቶን ካልኦትምኽባር።  
  • ኣብ ከም ጾታዊ ዓመጽ፣ ዘቤታዊ ዓመጽ፣ ምስናዕ/ፎርጂት ምስራሕን ካልእ ኣብ ሕጊ ገበን ዝተቐመጡ ገበናትን ዝርከቡዎም  ብመሰረት ሕጊ እስራኤል ከም ገበን ዝቑጸር ዝኾነ ይኹን ንጥፈት ዘይምስታፍ። 

እንተተእሲረ እንታይ ይኸውን፧

ክሳብ ከምኡ ክገብሩ ዘፍቅድ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ዝየተዋህበ ፖሊስ ናብ ገዛ ናይ ምእታው መሰል የብሉን። ኣባላት ፖሊስ ነቶም ኣብቲ ገዛ ዝነብሩ ሰባት ፍቓድ ወረቀት ትእዛዝ ከቕርቡሎም ኣለዎም። እቲ ትእዛዝ ብዝርደአኩም ቋንቋ ክጽሓፍ ኣለዎ፣ ልክዕ ኣድራሻ ናይቲ ገዛ ዘጠቓለለ ድማ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ እዋን ማእሰርቲ ዝኾነ ጎነጽ/ዓመጽ ክግበር የብሉን። ንማእሰርቲ ምስትቋወሙ፡ሓደ ኣባል ፖሊስ ነቲ ማእሰርቲ ንምርግጋጽ ርትዓዊ ሓይሊ ክጥቀም ይኽእል።

ከም  ዝተኣሰርኩም ንምሕባር ቴለፎን ናይ ምድዋል መሰል ኣለኩም ። ቅድሚ መርመራ ፖሊስ ምስ ጠበቓ ናይ ምምኽኻር መሰል ኣለኩም ። ጠበቓ ምስ ዘይህልወኩም፡ ብመንግስቲ ክግበረልኩም ምሕታት ይካኣል፡ ገለ ከም ሕጸረት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ቅድመ ኩነታት ብምምላእ ክቐርበልኩም ይኽእል እዩ ።

ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት(ኢሚግረሽን)  ቃለ መሕተት እንተሃልዩኩም እውን ብጠበቓ ክትውከሉ መሰል ኣለኩም፣ ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ጠበቓ ምርካብ ግን ኣይካኣልን።  ንሆትላይን ወይ ሃያስ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ክገብሩልኩም ምውካስ ምውካስ ይካኣል።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤