ዘይ ሰነምግባራዊ ተግባራት ሪፖርት ምግባር/ምሕባር

ዘይስነተግባራዊ ተግባር እንታይ እዩ፧

  ኩሎም ኣባላት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት መሻርኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR)ን ዝለዓለ ደረጃታት ስነ-ምግባራውን ሞያውን ኣካይዳ ክሕሉዉን ከስፋሕፍሑን ይግደዱ። ስራሕና መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም እነገልግሎም ሰባት ብምትእስሳር ንሰራሕተኛታትና ኣብ ስልጣን ሓይሊ ከም ዘቐምጦም ንፈልጥ ኢና። ነዚ ሓይሊ ስልጣን ብዘይግቡእ ከይንጥቀመሉ ግዴታ ኣሎና። ዘይስነምግባራዊ ባህሪ ስዒቦም ዘለዉ ዘጣቓለለ ክኸውን ይኽእል፤

  • ጾታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ኣብ ልዕሊ ንUNHCR ስክፍታ ዘለዎም ሰባት፤ 
  • ምትላል (ንኣብነት ምስናዕ ሰነድ/ወረቐት)፤
  • •ብልሽውና (ንኣብነት ካብ ስደተኛታት ወይ ካልኦት ገንዘብ ምውሳድ)፤
  • ስርቅን ምጥፍፋእን (ንኣብነት ምስራቕ መሳርሒታት ወይ ገንዘብ)፤
  • ትንኮሳ፡ ጾታዊ ትንኮሳ ሓዊሱ
  • መጥቃዕቲ፣ ምፍርራሕ ወይ ሕነ ምፍዳይ፤
  • ከባብያዊ ሕግታት ዘይምኽባር።


ኣስተውዕሉ! ኩሉ ኣገልግሎታት UNHCR ብነጻ እዩ። ኣገልግሎት ንምርካብ ገንዘብ ወይ ካልእ ዓይነት ሞገስ፡ እንተላይ ጾታዊ ባህሪ ዘለዎ ጠለብ ክተማልኡ እንተ ተሓቲትኩም፡ ብቕልጡፍ ክትሕብሩ ይግባእ።.  

UNHCR ንናይ ምትላልን ስነ-ምግባርን ጥርጣሬታት ኣዝዩ ብዕቱብ ይሕዞ፣ ብዛዕቡኡ ዝቐርቡ ጸብጻባት/ሓበሬታት ድማ ብሚስጢር ብዝግባእ ኣታኣላልያ ክእለዩ እዮም።

ብዛዕባ ሰራሕተኛታት UNHCR፡ ወይ ሰራሕተኛታት መሻርኽቲ ወይ ኮንትራክተራት UNHCR፡ ኣብ ምዝመዛ (ጾታዊ ምዝመዛ ሓዊሱ) ወይ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝሳተፉ ሓበሬታ እንተሃልዩኩም፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም፤

1) ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ (IGO) ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት UNHCR፤

ፎርም/ቅጥዒ ኦንላይን ጥርዓን ብምጥቃም 

– ብሚስጢራዊ ኢመይል: [email protected] 

– ፖስታ፡ 94፡ ሩ ደ ሞንትብሪላንት፡ ቁጽሪ ሳጹን ፖስታ 2500፡ 1211 ጀነቫ

ንብሙሉእ እቲ ኢመይል ምስጢራዊ ኢልኩም ምልክት ግበሩሉ።

ጸብጻብኩም ብጉቡእ ክእለን/ክታሓዝን ብጥቡቕ ብምስጢር ክዕቀብን እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ብኽብረትኩም – ቤት ጽሕፈት ዋና ተቖጻጻሪ UNHCR (IGO) ተወከሱ። 

2)  ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት እስራኤል ብኢመይል [email protected]  ወይ ነዚ ቅጥዒ ብምጥቃም።


ተዛማዲ ሓበሬታ፤