UNHCR ንናይ መን ናይ ጥርዓን ናብ መስርሕ ዳግመ-ምጥያስ ከምዝቐርብ ብኸመይ ይውስን፧
ዳግመ-ምጥያስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታትን ማሕበረሰባትን ሓላፍነት ዝካፈለሉ/ዝዋጸአሉ መሳርሒ እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሃገራት ዳግመ-ምጥያስ ነቲ ውሱን ናይ ዳግመ-ምጥያስ ቦታታት ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሚልዮናት ስደተኛታት ብኸመይ ከም ዝማቓራሕ ይውስና፣ UNHCR ድማ በቶም ዘለዉ ደረታት መሰረት ጥራይ እዩ ንናይ ዳግመ-ምጥያስ ምቕራብ ጉዳያት ከሰላስል ዝኽእል። ስለዚ ስደተኛታት ብዛዕባ ዳግመ-ምጥያስ ብUNHCR ናይ ምቕራብ ዕድሎም ክውንነታዊ/መኽንያታዊ ክኾኑ ኣለዎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ UNHCR ምስተን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ዳግመ-ምጥያስ ቦታታት ዝሃባ ሓያሎ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ሽወደን፡ ፈረንሳ፡ ሆላንድን ስጳኛን ሽርክነት ፈጢሩ እዩ።
ዳግመ-ምጥያስ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝምልከት ፍታሕ ኮይኑ፡ ካልኦት ኩሎም ኣማራጺታት ኣብታ ሃገር ዑቕባ ንኣብነት ኣብ እስራኤል ምስተጸንቀቑ እዩ። ጉዳያት/ከይሳት ብUNHCR ብዝተፈላለየ መንገድታት ብዝተኣከበ ሓበሬታን ምኽሪ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምርኩስ ብምግባር ይልለዩ።
ዳግመ–ምጥያስ መሰል ኣይኮነን፡ ንኹሉ ናይ ስደተኛ ወረቐት ዝተዋህቦ ድማ ኣይምልከትን። ብዝሒ ቦታታት ድሩት ስለዝኾነ፡ እተን ዳግመ ምጥያስ ዝቕበላ ሃገራት እየን ክንደይ ስደተኛታት ከም ዝቕበላ ዝመርጻ።
ብኸመይ ንዳግመ-ምጥያስ ከመልክት ይኽእል፧
ንመስርሕ ዳግመ-ምጥያስ ዝኸውን መመልከቲ የለን።
UNHCR ካብ መሻርኽትና ሓበሬታ ይቕበልን ንኣድላይነቶምን ውሕስነቶምን መሰረት ብምግባር ንዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታት ንምቕራቦም የለልን። ንኩነታት ኣዝዮም ህሱያት ዝኾኑ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ንመዐቀኒታት ዳግመ-ምጥያስ ዘማልኡ ድዮም ኣይማልኡን ንምግምጋም ብቐጻሊ ንፍትሽ።
UNHCR ብዛዕባ’ቲ ውልቀሰብን ስድራቤቱን ፍሉይ ኩነታት ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋሙ ጥራይ’ዩ ፋይል ንዳግመ-ምጥያስ ከቕርቦ ድዩ ኣይቕርቦን ዝውስን። ንዳግመ-ምጥያስ ስድተኛ ዝምልከት ዝውስን እተን ንዳግመ-ምጥያስ ዝቕበላ ሃገራት እምበር UNHCR ኣይኮነን።
UNHCR ብስደተኛታት ዝቐርብ ባዕላዊ ምምልካት ወይ “ናይ ዳግመ-ምጥያስ ሕቶ” ኣይቅበልን እዩ።
ኣብ 2025 ካብ እስራኤል ናብ ኣሜሪካ ናይ ዝግበር መደብ ዳግመ- ምጥያስ ዝምልከት ፖሊሲ ለውጢ ነይሩ ድዩ፧
ብዕለት 20 ጥሪ 2025 መንግስቲ ኣሜሪካ ፕሮግራም ምቕባል ስደተኛታት ኣሜሪካ እንተወሓደ ን90 መዓልታት ደው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት ዝኾነ ናብ ኣሜሪካ ኣብ መስርሕ ዝርከብ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ጉዳያት ርኡይ ምድንጓያት ከጋጥሞ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ UNHCR ዝኾነ ሓድሽ ከይሳት/ፋይላት ንመስርሕ ዳግመ-ምጥያስ ናብ ኣሜሪካ ከቕርብ ኣይክእልን ማለት እዩ። UNHCR ብዛዕባ እዚ ውሳነ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ተወሳኺ መብርህን ምኽርን ይሓትት ኣሎ።
UNHCR ነቶም ብሰንኪ ምድስካል ዳግመ-ምጥያስ ኣሜሪካ ዝተሃስዩ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ምኽሪ ሂቡ።
ኣስተውዕል መስርሕ “እ’ንቋዕ ደሓን መጻእኩም”(Welcome Corps) ኣካል ፕሮግራም ምቕባል ስደተኛታት ኣመሪካ እዩን ደው ኢሉ ኣሎን።
