ካብ ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ብኸመይ ምክልኻል ከም ዝከኣል ብዝምልከት ሓበሬታን ሓገዝን

ሓተትቲ ዑቕባ ዋላ እውን ቅድሚ ሕጂ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ዘይገበሩ፣ ዘይሓወዩ ወይ ዘይተኸተቡ ይኹኑ፣ ናብ ፊንላንድ ክኣትዉ ክኽእሉ እዮም።

ኩሎም ነበርቲ ፊንላንድ (ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ሓዊሱ) ኣብ ፊንላንድ ጸረ ኮቪድ-19 ብነጻ ክኽተቡ ይኽእሉ።  ብተሌፎን  📞 116 117 ብምድዋል ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ከተማኻ ናብቲ ዝቐረበ ናይ ክታበት ነቑጣ ብምውካስ፣ ናይ ክታበት ቆጸራ ክትሕዝ ወይ ድማ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ወግዓዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ ተወከስ እዚ ከኣ ብቋንቋታት ፌኒሽሽወደንኛን እንግሊዘኛ ይርከብ።


< ናብ “ኣብ ፊንላንድ ሓገዝ” ተመለስ

<< ወደ ፊንላንድ ዋና ገጽ ተመለስ
>> በ HELP ዋና ገጽ ሌላ አገር ምረጥ