ሓተትቲ ዑቕባ ዋላ እውን ቅድሚ ሕጂ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ዘይገበሩ፣ ዘይሓወዩ ወይ ዘይተኸተቡ ይኹኑ፣ ናብ ፊንላንድ ክኣትዉ ክኽእሉ እዮም።
ኩሎም ነበርቲ ፊንላንድ (ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ሓዊሱ) ኣብ ፊንላንድ ጸረ ኮቪድ-19 ብነጻ ክኽተቡ ይኽእሉ። ብተሌፎን 📞 116 117 ብምድዋል ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ከተማኻ ናብቲ ዝቐረበ ናይ ክታበት ነቑጣ ብምውካስ፣ ናይ ክታበት ቆጸራ ክትሕዝ ወይ ድማ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ወግዓዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ ተወከስ እዚ ከኣ ብቋንቋታት ፌኒሽ፣ ሽወደንኛን እንግሊዘኛ ይርከብ።