ኣብ ፊንላንድ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ግዝኣት ፊንላንድ ወይ ኣብ መእተዊ ወደብ (መዓርፎ ነፈርቲ፣ ናይ መሬት ዶብ መሳገሪ መፈተሺ ነቑጣ ወይ ወደብ ባሕሪ) ክትህሉ ከም ዘለካ ኣስተውዕል።
ብሰንኪ ዓመጽ፣ ስደት፣ ኲናት ናብ ዓድኻ ወይ ናብ’ታ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካላ ሃገር ክትምለስ እንተፈሪሕካ ወይ ኣብታ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ከይበጽሓካ ኣብ ሓደጋ እንተሃሊኻ ኣብ ፊንላንድ ሓለዋ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ዑቕባ ምሕታት እዩ።