ኩሎም እቶም ብ UNHCR ከምኡ ውን ብመሻርኽትና ዝወሃቡ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ንተጠቀምቲ ግዝያዊ ሓለዋ፣ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ስደተኛታት፣ ተጠቀምቲ ንኡስ ሓለዋን ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ሰባትን ካብ ክፍሊት ናጻ ዝወሃቡ እዮም።
UNHCR፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ብሰንኪ ግጭትን ስደትን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ሓለዋ ይህብ። ህይወት ነድሕን፣ መሰላት ንሕልውን ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ንሕግዝን።
ኣብ ፊንላንድ UNHCR ንሃገራዊ ሰበ-ስልጣናት ምስ ኣህጉራውን ኤውሮጳውን መዐቀኒታት ብምስምማዕ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ይድግፍ። UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ፊንላንድ ዝካየድ ኣገባብ ዑቕባ ኣይኮነን። ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ፊንላንድ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ እዩ።
ኣብ ፊንላንድ ዝርከብ UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ስቶክሆልም (ሽወደን) ዝመደበሩ ንሃገራት ኖርዲክ (Nordic) ከምኡ ውን ባልቲክ (Baltic) ናይ UNHCR ውክልና እዩ።
በዚ ዝስዕብ ረኸበና
እንተድኣ ኣብዚ ‘ HELP’ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ትደልዮ ዝነበርካ ሓበሬታ እንተ ዘይረኺብካዮ ብኽብረትካ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ንክትረኽበና ኣይትሰከፍ።
ቴሌፎን፦ 📞 +46 10 10 12 800 (ሰኑይ – ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 10.00-12.00 ብኣቆጻጽራ ስቶክሆልም)
ኢመይል፦ 📧 [email protected]
ቃንቃ እንግሊዝኛ ወይ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተኾይንካ
ጻውዒት ቴለፎን ብእንግሊዝኛ ወይ ብሽወደንኛ ጥራይ ክንምልስ እንኽእል እኳ እንተኾንና ኩነታትካ ብእትደልዮ ቋንቋ ብኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ ንሕና ድማ መልሲ ክንህበካ ኢና። መልስና ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ብእንግሊዝኛ ክኸውን እዩ እንተኾነ ግን ንምርዳእ እንተ ተጸጊምካ Google Translate ክትጥቀም ንላቦ ወይ ዝያዳ ግልጺ ንክኾነልካ ሕቶ ዝሓዘ ካልእ ኢመይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ።