ኣብ ፊንላንድ እንተሃሊኻን ኣብ ጉዳይ ዑቕባኻ ሕጋዊ ምኽሪ እንተድኣ ኣድልዩኩካን፣ ንውሳነ ይግባይ ንምባል ናይ መንግስቲ ሕጋዊ ሓገዝ ንምሕታት ሓገዝ ምስ እትደሊ ወይ ድማ ብዛዕባ ኣገባባት ዑቕባ ወይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ኣብ ፊንላንድ ሕቶታት እንተሃልዩካ ብኽብረትካ ንመሻርኽትና ዝኾነ ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ተወከስ፦
ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ (Pakolaisneuvonta)
- አድራሻ፦ Pasilanraitio 9B, 00240 Helsinki, Finland
- ቴሌፎን፦ 📞 +358 9 2313 9300
- ኢ-መይል፦ 📧 [email protected]
- መርበብ ሓበሬታ፦ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን
UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ኣገባብ ዑቕባ ከምዘይኮነን ንውልቀ ኣመልከትቲ ንኣብነት ዑቕባ ወይ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ብዝምልከት ሕጋዊ ምኽሪ ክህብ ከምዘይክእልን ክንሕብር ንላቦ። UNHCR ምስ ሓደ ልምዲ ዘለዎ ሃገራዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ይሰርሕ። እዚ ትካል እዚ ኣብ ምሃብ ደገፍን ምኽርን ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።