ከመይ ጌርካ ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ተመልክት

ኣብ ፊንላንድ ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ናይ ንኡስ ሓለዋ ደረጃ እንተደኣ ረኺብካን ከምኡ’ውን ቅድሚ ወይ ኣብ እዋን ጉዕዞኻ ካብ ዓድኻ ካብ ስድራቤትካ ተፈሊኻ እንተኾንካ፣ ስድራኻ ኣብ ፊንላንድ ምእንቲ ክጽንበሩኻ ብፍሉይ ቅድመ ኩነት ንውህደት ስድራቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ንምምልካት ዝተመደበ ግዜ ክንደይ እዩ?

ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ንምምልካት ናይ ግዜ ገደብ የለን።

ናይ እቶት ጠለባት ኣለዉ ድዮም?

ኣብ ፊንላንድ ናይ ስደተኛታት ሓለዋ እንተ ተዋሂቡካን ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክት እንተደሊኻን ካብታ ውሳነኻ ዝረኸብካላ ዕለት ጀሚርካ ን 3 ኣዋርሕ ካብ ናይ እቶት ጠለባት ነጻ ኢኻ ትኸውን።

ኣብ ፊንላንድ ንኡስ ሓለዋ እንተ ተዋሂቡካን ንዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ከተመልክት እንተደሊኻን ናይ እቶት ጠለባት ይምልከተካ እዩ።

ቆልዓ እንተኾንካን ኣብ ፊንላንድ ናይ ስደተኛታት ሓለዋ ወይ ንኡስ ሓለዋ እንተተዋሂቡካን ናይ እቶት ጠለባት ኣይምልከተካን እዩ።

If you are a child and you were granted refugee protection or subsidiary protection in Finland, income requirements do not apply.

ብዛዕባ ጠለባት እቶት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ዝያዳ ኣንብብ።

እንተደኣ ነቶም መዐቀኒታት ዘየማሊእካ ኮይንካ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ክኽልከል ይኽእል እዩ። ነዚ ውሳነ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ፍርዲ ፊንላንድ ብምቕራብ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ምስ መን ክትጥርነፍ ትኽእል?

መጻምድትኻን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኻን ምሳኻ ክነብሩ ክመጹ ይከኣል እዩ። ንዳግመ ጥርናፈ ስድራ ቤት ዘቕረብካዮ ሕቶ ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣባላት ስድራቤትካ ናብ ፊንላንድ ንኽመጹ ነቲ መገሻ ክተዋድድን ዘድሊ ክፍሊት ክትሽፍንን ኣለካ። እንተደኣ ኣድላዪ ኾይኑ፣ ሓደ ደጋፊ ሰብ፣ ኣማኻሪ ሕጊ ወይ ኣማኻሪነቶም ዘድልዩ ሰነዳት ኣብ ምምላእ ክሕግዘካ ይኽእል።

ኣብ ፍሉይ ኩነታት ካልኦት ኣብ ዓድኻ ምሳኻ ዝነበሩን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሌኻ ዝምርኮሱን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ፊንላንድ ምሳኻ ክነብሩ ክመጹ ይኽእሉ።

ንመስርሕ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ሓገዝ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንመሻርኽትና ዝኾነ ማእከል ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ከተዘራርብ ንመክር።

ኣብ ፊንላንድ UNHCR ንሃገራዊ ሰበ ስልጣናት ምስ ኣህጉራውን ኤውሮጳውን መዐቀኒታት ብምስምማዕ ሓላፍነቶም ንኽፍጽሙ ይድግፍ። UNHCR ኣካል ናይቲ ኣብ ፊንላንድ ዝካየድ ዘሎ ኣገባብ ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ፊንላንድ ዝግበር ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ እዩ።

ኣብ ካልእ ሃገር ዝጠፍአ ኣባል ስድራቤት ንምርካብ ሓገዝ የድልየኒ (ስድራቤት ምክትታል)

ኣብ ፊንላንድ ትነብር እንተኾይንካ ንመሻርኽትና ዝኾነ ቀይሕ መስቀል ፊንላንድ ከተዘራርብ ንመክር። እዚ ትካል እዚ ኣገልግሎት ምክትታል ስድራቤት የካይድ። ዝርዝር ርክቦም ኣብ ታሕቲ ምርካብ ይከኣል፦

ቀይሕ መስቀል ፊንላንድ

ብዛዕባ እቲ ብቐይሕ መስቀል ፊንላንድን ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን ምስ ምክትታል ስድራቤት ብዝተኣሳሰር ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ዝያዳ ኣንብብ።

ካብ ፊንላንድ ወጻኢ ትነብር እንተኾይንካ ነቲ እትነብረሉ ሃገር ዝምልከት ናይ ሓገዝ መርበብ ሓበሬታ ገጽ ክትርኢ ንመክር።

UNHCR ኣገልግሎት ምክትታል ስድራቤት ከምዘይህብ ክትፈልጥ ንላቦ።


<< Back to Help Finland homepage
>> Select another country on our Help homepage