ኣብ ጉዳይ ዑቕባኻ ዝወሃብ ውሳነ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ ክሕበር እዩ። እቲ ውሳነ በቲ ኣፍካ ዝፈታሕካሉ ቋንቋ ወይ ብኻልእ ትርድኦ ቋንቋ ክቐርበልካ እዩ።
ኣብቲ ኣሰራርሓ ዑቕባ ክህልዉ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ውጽኢታት ኣለዉ፦
- ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ረኺብካ ናይ መጀመርታ ናይ 4 ዓመት ንውሓት ግዜ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዚ ድማ በብእዋኑ ን 4 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ንኡስ ሓለዋ ይወሃበካ ከምኡ ውን ናይ መጀመርታ 4 ዓመት ንውሓት ግዜ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዚ ድማ ን 4 ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ብርህራሄ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ ከምኡ ውን ናይ መጀመርታ ናይ 1 ዓመት ንውሓት ግዜ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ፣ እዚ ድማ ን 1-ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።
- ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ ይንጸግ
➡️መመልከቲኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ (ናይ ስደተኛ ኩነታት ወይ ንኡስ ሓለዋ)፡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ፊንላንድ መሰላትካን ግቡኣትካን ዝገልጽ ሰነድ ክህበካ እዩ። ዋላ እውን ከም ስደተኛ ኣፍልጦ፣ ንኡስ ሓለዋ ወይ ብርህራሄ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ እቲ መሰላትን ኣገልግሎታትን ብሓፈሻ ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ቀንዲ ፍልልይ ኣብ ንውሓት ናይቲ ዝወሃበካ መንበሪ ፍቓድ (4 ወይ 1 ዓመት) እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ፊንላንድ ብዛዕባ ምንባር ክትመሃረሉ እትኽእል ናይ ቅድመ ውህደት መደብ ክትምዝገብ ኢኻ።
➡️መመልከቲኻ እንተ ተነጺጉ እቲ ምሉእ ውሳነ ብናይ ዝዓበኻሉ ቋንቋ ወይ ብኻልእ ክትርድኦ ትኽእሎ ምዃንካ ዝገለጽካዮ ቋንቋ ክወሃበካ እዩ።