እንቋዕ ናብ UNHCR ዘመሓድሮ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ‘HELP (ሓገዝ)’ ብደሓን መጻእኩም። ኣብዚ ስደተኛታት፣ ዑቕባ ሓተትቲን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ከምኡ’ውን ኣባላት ስድራቤቶምን ዝሕግዙዎም ሰባትን ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብን ኣብ ፊንላንድ ዘሎ ኣገልግሎታትን ዝምልከት ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ።
ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ነዞምዝስዕቡ ነገራት ክትረኽቡ ኢኹም፦
➡️ነቶም ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ኣብ ፊንላንድ ሓለዋ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ሓበሬታ
➡️መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓደጋታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
➡️ኣብ ፊንላንድ ከመይ ጌርካ ዑቕባ ትሓትት
➡️ን መሊስካ ምጥርናፍስድራ ከመይ ጌርካ ተመልክት
➡️ኣብ ፊንላንድ ሓገዝ ኣበይ ይርከብ
➡️ብዛዕባ UNHCR ኣብ ፊንላንድ
➡️ዘይግቡእ ተግባር ብኸመይ ንሕብር?
ካብ ፊንላንድ ወጻኢ ዲኻ ዘለኻ? ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኣዝማድ ሓገዝ ትደሊ ዲኻ? ብኽብረትካ ኣብ ናይ UNHCR ናይ HELP መርበብ ሓበሬታ እቲ ዝደለኻዮ ሃገር ምረጽ ወይ ድማ ኣብ’ቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገር UNHCR ተወከስ።
ካብ ዩክሬን ተሰዲድካ ኣብ ፖላንድ፣ ሃንጋሪ፣ ኢጣልያ፣ ስሎቫክያ፣ ሮማንያ ወይ ቡልጋርያ እንተሃሊኻ ብኽብረትካ ኣብ Digital Blue Dot ብዛዕባ መሰላትን ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣበይ ከም እትረክብን ዝምልከት ሓበሬታ ርኸብ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዩክሬንን ሩስያን እውን ክርከብ ይኽእል እዩ።